ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ከተማ ሞምባሳ ንሰግእ አለና ኢሎም


መንግስቲ ኬንያ ኣብ ወደባዊት ከተማ ሞምባሳ ኣብ ልዕሊ ኣኽረርቲ ምስልምና የካይዶ ዘሎ ወፍሪ ንስራሕቲ ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ልዝብ ዝበለ ቅዋም ንዘለዎም ናይ ምስልምና መምህራንን ሓደገኛ ይገብሮ’ሎ።እቲ ሓደጋ ካብ ሓይልታት ፀጥታን መናእሰይ ኣኽረርትን እዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መጋቢት ክልተ ዕጡቓት ኣብ ሞምባሳ ንዝርከብ ሓደ ቤተ ክርስቲያን ወሪሮም ቶኽሲ ብምኽፋት ንኣርባዕተ ኣመንቲ ቀቲሎም ንካልኦት 15 ድማ ኣቑሲሎም።
ድሕሪ ማዕልታት ኮሚሽነር እታ ከተማ ኔልሰን ማርዋ ነቲ ቤተ ክርስቲያን ዘጥቕዑን ኣብ ጎደናታት ንሰላማዊያን ሰባት ዒላማ ንዝገብሩን ጥርጡራት ኣሸበርቲ ንኽርሽንዎም ንሰራሕተኛታት ፀጥትኦም ኣዚዚኦም።

ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ንቶም ኮምሽነር ብምኹናን ካብ ስልጣኖም ንኽወርዱ ሓቲዮም እዮም።

ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ንመቕተልቲ ማካቡሪ ብዝብል ስም ዝፍለጡ ኣሰሓሓቢ ሰባኺ ሸሪፍ ኣሕመድ ንምቅዋም ኣብ ዝቀራረብሉ እዋን እቶም ኮምሽነር ንምንቅስቓስ ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ከምዝከታተሉ ተዛሪቦም።

ኻሊድ ሑሴን ሓላፊ ‘’ሓቂ ኣፍሪካ’’ ናይ ዝተብሃለ ጉጅለ መሰላት እዮም።ሓቂ ብቛንቛ ስዋህሊ ፍትሒ ማለት እዩ።ንሶም ሓይልታት ፀጥታ ንዴቶም ኣብ ልዕሊ ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ክገልፁ ግቡእ ኣይኮነን ይብሉ።

መንግስቲ ዝለዓለ ፀቕጢ ከምዘለዎ ከምዝርድኡ ብምግላፅ ብምስዓብ ‘’ነገር ግን ሰበስልጣን መንግስቲ ነቲ ሽግር ንምፍታሕ ይፍትኑ ኣብ ልዕሊ ዘለው ጉጅለታት ስቪል ማሕበረሰብ ዘካየዶ ዘሎ ምፍርራሕ ኣዚዩ የሰክፈና’’ኢሎም።

ሞምባሳ ንማዕበል መጥቓዕታት ሽብርን ቕትለት ተጠርጠርቲ ሽበራን ሪኣ’ያ።ብዙሕ ግዜ ሓይልታት ፀጥታ ይውቀሱ።መንግስቲ ነዚ ብትሪ ይነፅጎ።
እቲ ስግኣትን መጥቓዕትታትን ብዝወሰኸ ቁፅሪ ንመሰላት ዝሕለቑ ሰባት ኣብ ጎደናታት ክዘዋወሩ እውን ሓደገኛ እናኾነ ይመፅእ ኣሎ ይብሉ ሑሴን።

ከም መጠን ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ዳርጋ ማዕልታዊ ካብ መኮነናት መንግስቲን ብዙሕ ክንሰርሕ ካብ ዝደልዩ ማሕበረሰባትን ምፍርራሕ የጋጥሞም ከምዘሎ ሓቢሮም።
ገለ ኣባላት ማሕበረሰብ ሙስሊማት ሞምባሳ ክልተ ፀለውቲ መሳጊድ ብጥርኑፋት መናእሰይ ምውሳዶም ቁጥዕኦም ይገልፁ።
XS
SM
MD
LG