ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኬንያ፡ ዳግመ ምርጫ ክናዋሕ ብዝቐረበ ጠለብ: ደያኑ ብዘይምርካቦም ውሳኔ ኣይተዋህበን


ዳግመ ምርጫ ኬንያ ክናዋሕ ዝቐረበ ጠለብ ከይተሰምዐ ብምትራፉ ዝተቆጥዑ ኬንያውያን: ናብ ጎደናታት እታ ሃገር ብምውጻእ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ኣካይዶም።

ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኬንያ ሎሚ ጥቅምቲ 25,2017 ዓ.ም ተአኪቡ ኣብቲ ጉዳይ ክዝትይ ተመዲቡ እንተነበረ'ኳ: ሓሙሽተ ዳኛታት እቲ ቤት ፍርዲ ኣብቲ መጋባእያ ብዘይምርካቦም ውሳነ ከይተዋህበ ምትራፉ ተፈሊጡ’ሎ።

ብመሰረት ካብታ ሃገር ዝተረኽበ ሓበሬታ ሓደ ዳኛ ብሕማሙ ከምዘይመጸ፡ ካልእ ካብ ሃገር ወጻኢ ከምዘሎ፡ እታ ሳልሳይቲ ዳኛ ድማ ውልቃዊ ሓላዊኣን ብዘጋጠሞ መጥቓዕቲ ናብቲ መጋባእያ ክቐርባ ከምዘይከአላ ክገልጹ ኸለው እቶም ካልኦት ክልተ ግን ኣብቲ መጋባእያ ዘይምርካቦም ምክንያት ኣይተፈልጠን።

ነቲ ጽባሕ ክካይድ ዝተመደበ ዳግመ ምርጫ ኬንያ ከናዋሕ ዝፍቅድ እንኮ አካል ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ እታ ሃገር እዩ።

ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ንዝተኻየደ ሃገራዊ ምርጫ ድሕሪ ምስራዙን ዳግማይ ምርጫ ንጥቅምቲ 26 ክኻየድ ወሲኑ።ፕረዚደንት እታ ሃገር ኡሁሩ ኬንያ ዳግማይ ምስ መራሒ ተቓወምቲ ራይላ ኦዲንጋ ንምውድዳር እንተተዳደለው እኳ ራይላ ኦዲንጋ ግን ኣብ መጀመርያ እዚ ወርሒ’ዚ ካብቲ ውድድር ምውጽኦም ሓቢሮም።

ራይላ ኦዲንጋ ካብቲ ዳግማይ መስርሕ ምርጫ ዝወጽሉ ምክንያት አባላት ኮሚሽን ምርጫ እታ ሃገር ከይተቀየሩ እቲ ዳግማይ ምርጫ’ውን ፍትሃዊን ርትዓዊን ኣይኽከውንን ብዝብል ሞጎተ እዩ።

ንሶም ብተወሳኺ ደገፍቶም ኣብቲ ዳግማይ ምርጫ ክዕድሙ ይእዝዙ።

ድሕሪ ናይ ሎሚ መዓልቲ መጋባእያ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ዜጋታት እታ ሃገር ናብ ጎደናታት ከተማ ኪስማዩ ብምውጻእ ተቓውሞ ምክያዶም ተገሊጹ’ሎ።

ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ እቲ ምርጫ ዝግባእ ድምጺ እንተዘይረኺቡ ነቲ ምርጫ ብምስራዝ ነቲ መስርሕ ምርጫ ዳግማይ ከምዝኻየድ ከምዝውስን ኣፍሊጡ ኔሩ።

እዚ ናይ ተቓውሞ ሰልፍታት ኣብ መንጎ ተቓውሞኦም ዘስምዑ ዜጋታትን ሓይልታት ጸጥታ ምፍሕፋሕ ምፍጣሩን ክሳብ ሕጂ ኣስታት 50 ሰባት ምሟቶም ይግለጽ ኣሎ።

XS
SM
MD
LG