ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኬንያ ዳግማይ ንዝካየድ ምርጫ ዝምልከት ዝርርብ ይካየድ


ኬንያ 17 ጥቅምቲ 2017 ዓ.ም ሓድሽ ፕረዝዳንታዊ ምርጫ ንምክያድ ወሲና፣እንተኾነ ግን ብሰንኪ ቴክኒካዊ ጉዳያትን ኣብ ልዕሊ ኮሚሽን ምርጫ ብዘሎ ምስሕሓብን ምንዋሕ ምርጫ ብዝምልከት ዝርርብ ይካየድ ኣሎ።

እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ጠቕላሊ ቤት ፍርዲ ብደገፍቲ ገዛኢ ፓርቲ ሓድሽ ነቐፌታ ይወርዶ’ሎ።

ፖሊስ ደገፍቲ ገዛኢ ጁቢሊ ፓርቲ ኣብ ጥቓ ህንፃ ጠቕላሊ ቤት ፍርዲ ተቓውሞ ሰልፊ ብምክያድ ክልተ ዳያኑ ክልዓሉ ንዝተኣከቡ ብመንብዒ ጋዝ በቲኑዎም።

ዋና ዳኛ ማራጋ ንጋዜጠኛታት ኣብዝሃብዎ ቃል እቲ ቤት ፍርዲ በዚ ኣይሽቑረርን ኢሎም።

ቤት ፍርዲ ኣብ ዝሓለፈ ዝተኻየደ ፕረዝደንታዊ ምርጫ ዳግም ክካየድ ኣብ ዝሓለፈ ምውሳኑ ይዝከር።

Recommended

XS
SM
MD
LG