ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መራሒ ተቓወምቲ ኬንያ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ይጽውዕ


ኣብ ኬንያ ዝተኻይደ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ተወዳዳሪ ዝነበረ ራይላ ኦዲንጋ ብዝጸውዖ ሰላማዊ ሰልፊ ፖሊስ ሕጋውነት የብሉን ኢሉ ከቋርጾ እኳ እንተ ፈተነ፡ ሓያሎ ደገፍቲ ግን ነቲ መጠንቀቕታ ዕሽሽ ብምባል ናብ ጎደናታት ምውጻኦም ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ጸብጺቡ። ፖሊስ ኬንያ ነቶም ተሰለፍቲ ንምብታን ዘንብዕ ጋዝን መፈራርሒ ተዅሲን ምትዃሱ፡ ተሰለፍቲ ግን ብእኡ ከምዘይተሰናበዱ ተሓቢሩ'ሎ።

ፖሊስ ኬንያ ነቲ “ዘይሕጋዊ” ዝሰመዮ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ንምዕባስ ሓያሎ ኣባላት ኣውፊሩ ንብዙሓት ከባቢ ናይሮቢ ብጽኑዕ’ዩ ክከታተል ጸኒሑ።

ፖሊስ ትማሊ ሰንበት ነቲ ሰልፊ ኣጊዱዎ እዩ። ኦዲንጋ ግን ኬንያዊያን ኣብቲ ተቓውሞ ክሳተፉ ፀዊዖም እዮም።

ዝሓለፈ ሰኑይ ኣብ ናይሮቢ ኣብ ዝተኻየደ ተቓውሞታት ሓደ ሰብ ተቐቲሉ ምስ ሰልፈኛታት ኣብ ዝተኻየደ ርፅም ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ፖሊስ ቆሲሎም'ዮም ።

መንገድታት ባቡር ኬኒያ ብሰንኪ ኵገድ ዘይክኣል ኩነታት ኣገልግሎት ከምዘይህብ ትማሊ ሰንበት ብምግላፅ ንሎሚ ሶኑይ ኣገልግሎታቱ ከምዝቕፅል መግለፂ ኣውፂኡ ነይሩ።

XS
SM
MD
LG