ዋሽንግተን —
ፖሊስ ኬንያ ተቓዋሚ ሰልፈኛታት ናይሮቢ ንምብታን ዘንብዕ ጋዝ ምትኳሶም ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ፀብጺቡ።
ቀፃዒ ተባሂሉ ዝተፀውዐ ቅልውላው መነባብሮ ብምቅዋም ናይ ስጉምቲ መዓልቲ ብዝብል ኣብ ናይሮቢ ዝተኻየደ ናይ ተቃውሞ ሰልፊ መንግስቲ ፕረዚደንት ዊሊያም ሩቶ ኣብ ልዕሊ እቶም ሰልፈኛታት ብርቱዕ መርገፂ ከምዝወስድ እንተጠንቀቐ እውን መራሒ ተቓዋሚ ራይላ ኦዲንጋ ግን ናይ ፖሊስ ፍቓድ ዋላ እንተዘይረኸቡ እውን እቲ ሰልፊ ክካየድ እዩ ኢሎም ኔሮም።
ሰልፈኛታት ኣብ ዋና ከተማ ንዝርከቡ ህንፃታት ይሕልው ንዝነበሩ ፖሊስ ተኸላኸልቲ ናዕቢ ብደንጎላ ኣጥቂዖም። ክልተ ኣባላት ፓርላማ ሓዊሱ ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ሰባት ተኣሲሮም ኣለው።
ብኻልእ ዜና ፀጋማይ ክንፊ ፓርቲ ደቡብ ኣፍሪቃ 'ሃገርለኸ ዕፅዋ' ክካየድ ድሕሪ ምፅውዑ ቅድሚ ክልተ ዓመት ዘጋጠመ ደማዊ ዘይምርግጋእ ከይፈጠር ብምስጋእ ሎሚ ሶኑይ ኣብ መላእ እታ ሃገር ፖሊስን ወታሃደራትን ምውፋሮም ኣገልግሎ ዜና ፈረንሳ ካብ ፕሪቶሪያ ፀብፂቡ።
ሰበስልጣን ዝኾነ ይኹን ገበን ንምክልኻልን ስርዓት ንምትሓዝን ኣብ ዝለኦኣለ ተጠንቀቕ ከምዘለው ገሊፆም ኣለው። ፖሊስ ናብ ሎሚ ኣብ ዘውግሕ ለይቲ ምስ ዝነበረ ህውከት ብዝተኣሳሰረ እንተወሓደ ን87 ሰልፈኛታት ኣሲሮም ኣለው።