ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፖሊስ ኬንያ ንተቓወምቲ ሰልፈኛታት ንምብታን ዘንብዕ ጋዝ ምትኳሱ ተገሊጹ


ፖሊስ ኬንያ ንተቓወምቲ ሰልፈኛታት ንምብታን ዘንብዕ ጋዝ ምትኳሱ ተገሊጹ። ሰልፈኛታት ንሰበ ስልጣን ኮሚሽን ምርጫ እታ ሃገር ካብ መዝነቶም ክወርዱ ዝጠልቡ ኮይኖም ዝሓለፈ ጊዜ ንዝተኻየደ ዘይዕውት ምርጫ ተሓታቲ ኮሚሽን ምርጫ’ዩ እውን ይብሉ።

ናይ ተቓውሞ ሰልፍታት ሎሚ ሶኑይ ኣብ ከተማታት ናይሮቢን ኪስሙን ምክያዱ ተፈሊጡ’ሎ።

ወሃቢ ቃል ፕረዚደንት እታ ሃገር አባላት ምርጫ ቦርድ ከምዘይቕየሩ ዘፍለጡ ኮይኖም እዚ ድማ ንብዙሓት ተቓወምቲ ዘጉሃየ ስጉምቲ ምኳኑ ተሓቢሩ’ሎ።

ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኬንያ ዝሓለፈ ወርሒ ንዝተኻየደ ምርጫ ቅኑዕ ኣይኮነን ብምባል ዳግማይ ምርጫ ንጥቕምቲ 26 ክካየድ ምጽውዑ ይፍለጥ።

ይኹን ደአ እምበር መራሒ ተቓዋሚ ፓርቲ ራይላ ኦዲንጋ ንኮሚሽን ምርጫ እታ ሃገር ምንቓፎም ይቕጽሉ። ​

መውሃቢ ርእይቶ ኣብ ፈይስቡክ

ኣብዚኣ'ሞ

ኣብዚኣ'ሞ! ጻዕሪ ሰላም ቤት መኽሪ ዓለም-ለኸ ኣብያተ ክርስትያናት ኣብ ሰላም ኤርትራን ኢትዮጵያን

እዚ ሳይንቲፊካዊ ዘይኮነ መዐቀኒ ህዝባዊ ርእይቶ፤ ንርእይቶ ወሃብቱ ጥራይ እዩ ዘመልክት

XS
SM
MD
LG