ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኬንያ፡ አባላት ኮሚሽን ምርጫ ካብ መዝነቶም ክወርዱ ዝጠልብ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ተኻይዱ


አባላት ተቓዋሚ ፓርቲ ኬንያ ሎሚ ሶሉስ ናብ ኣብ ቅድሚ ቤት ጽሕፈት ኮሚሽን ምርጫ እታ ሃገር ዝርኸብ ጎደናታት ብምውጻእ ኣብቲ ጥቕምቲ 26 ዝኻየድ ዳግማይ ምርጫ አባላት ኮሚሽን ምርጫ ብሓደሽቲ ክትክኡ ዝጠልብ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ አካይዶም።

ተቓዋሚ ፓርቲ እታ ሃገር ኣባላት ኮሚሽን ምርጫ እንተዘይተቀይሮም ኣብ እዋን ምርጫ ኣድማ ከምዘላዕሉ እንተገለጹ’ኳ ገዛኢ ፓርቲ ግን ነዚ መፈራርሒ ይነጽግ።

ድምጺ ብፖሊስ ኬንያ ዝትኮስ ዘንብዕ ጋዝን ነናብ ዝተፈላለየ ኣንፈት ዝብተኑ ዝነበሩ ተሳተፍቲ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ንሰማያት ኣፍደገ ቤት ጽሕፈት ኮሚሽን ምርጫ ኬንያ ሎሚ ንግሆ መሊኦሞ ኔሮም። ተሰለፍቲ ናብ ሕንጻ ቤት ጽሕፈት ኮሚሽን ምርጫ ንምጽጋእ ኣብ ዝፈተንሉ ብፖሊስ ተበቲኖም።

እቲ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ንኣመሓዳሪ ኮሚሽን ምርጫ ኢዛ ቺሎባ ወሲኹ ንኣባላት ኮሚሽን ምርጫ ካብ መዝነቶም ክእለዩ ጸቕጢ ንምፍጣር ብመራሒ ተቓዋሚ ፓርቲ ኬንያ ራይላ ኦዲንጋ ዝተጸውዓ ስሩዕ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ምኳኑ’ውን ተፈሊጡ’ሎ።

“እቲ ኮሚሽን ምርጫ ኣቐዲሙ ዝነበረ ዘይንቡርን ዘይሕጋዊ ኩነታት ተሓተቲ ዝኾኑ አባላቱ ክሳብ ዘለው ቕኑዕ ምርጫ ከረጋግጽ ኣይኽእልን እዩ። ስለዝኾነ ድማ ሎሚ ብህዝባዊ ጸቕጢ ካብ መዝነቶም ክእለዩ ዝጽውዕ ነዚ ሰላማዊ ዘመተ ጀሚርና አለና። እዚ ምስ ዝኸውን ድማ ኢና ፍትሓዊ ዝኾነ ውጽኢት ምርጫ ክንረኽብ ንኽእል።”

ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ እታ ሃገር ነቲ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ዝተኻየደ ምርጫ ንምንታይ ውዱቕ ከምዝገበሮ ምሉእ መግለጺ ሂቡ’ዩ። እቲ ቤት ፍርዲ ዋላ’ኳ ንወልቒ ሰብ አባላት እቲ ኮሚሽን እንተዘይጠቐሰ ነቲ ኮሚሽን ግን ካብ ምውቓስ ግን ኣይተቆጠበን። እቲ ኮሚሽን ካብ ኩለን ኑቑጣታት ዝመጽእ ቆጸራ ቅድሚ ምእኻቡ ንኮምፒተራቱ ንቤት ፍርዲ ክፉት ኽገብር ዝብል ትእዛዝ ቤት ፍርዲ ከምዘይተቐበሎ’ውን ተገሊጹ’ዩ።

ቅድሚ እዚ ሎሚ ዝተኻየደ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ አቦ መንበር ራይላ ኦዲንጋ ዝመርሕዎ ፓርቲ ኦራንጅ ዲሞክራሲያዊ ምንቅስቃስ ጆን ናዲበ፡ ፕረዝደንት ኡሁሩ ኬንያታ ንናይ ጸጥታ ሓበሬታ መወደዳርቶም ራይላ ኦዲንጋን ካሎንዞ ሙሳኦካ ኣልዮም እዮም ክብሉ ተሰሚዖም’ዮም።

ብዙሓት ዜጋታት እታ ሃገር ግን ቅድሚ ቅዋማዊ ቀውሲ ኣብታ ሃገር ምልዓሉ ፖለቲከኛታት ፍልልያቶም ክፈትሑ ይጽውዑ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG