ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኬንያ ኣብ ዝተኻየደ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ 2 ሰባት ተቐቲሎም


መራሒ ተቓዋሚ ፓርቲ ኬንያ ራይላ ኦዲንጋ ካብቲ ጥቅምቲ 26,2017 ዓ.ም. ክካየድ ተመዲቡ ዘሎ ዳግማይ ምርጫ ኬንያ ከምዘይሳተፉ እንተፍለጡ’ኳ፡ ኮሚሽን ምርጫ እታ ሃገር ከይተቐየረ ተቓውሞታት ደው ከይብል ጸዊዖም።

ሰበ ስልጣን ኬንያ ኣብ ዋና ከተማ ናይሮቢን ካልኦት ውጥረት ክዓርገሉ ይኽእል’ዩ ዝበልዎ ቦታታት ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ከይኻየድ ምሕባሮም ይፍለጥ።

ኣብ ኬንያ ዝተኻየደ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ክልተ ሰባት ምሟቶምን ሓደ ምቁሳሉን ተሓቢሩ
please wait

No media source currently available

0:00 0:00:47 0:00

ኮሚሽን ምርጫ እታ ሃገር ክቕየር ካብ ነዊሕ ተቓውሞ ከስምዑ ዝጸንሑ መራሒ ተቓዋሚ ፓርቲ ራይላ ኦዲንዳ ድማ ዓርቢ ካብቲ ምርጫ ምውጽኦም ሓቢሮም፡ ንሶም እዚ ማለት ድማ እቲ ዳግማይ ምርጫ ተሰሪዙ’ዩ ማለት ምኳኑን ሓደሽቲ ተወዳደርቲ ንሓድሽ ምርጫ ክቐርቡ ማለት ምኳኑ የረድኡ።

ይኹን ደአ እምበር ኮሚሽን ምርጫ እቲ ዳግማይ ምርጫ ጥቅምቲ 26,2017 ዓ.ም ከምዝኻየድ ኣረጋጊጹ’ሎ።

መንግስቲ ተቓውሞታት ከይኻየድ እንተከልከለ ዓርቢ ኣብ ዝተኻየደ ተቓውሞ ክልተ ሰባት ካብ ፖሊስ ብዝተተኾሰሎም ጥይት ምሟቶምን ሓደ ምቁሳሉን ተፈሊጡ’ሎ። ፖሊስ ብተወሳኺ ነቲ ተቓውሞ ንምብታን ዘንብዕ ጋዝ ምጥቓሞም ዝተሓበረ ኮይኑ እቲ ተቓውሞ ኣብ ከተማታት ኪስምዩ፡ሞምባሳን ናይሮቢን ምክያዱ ተፈሊጡ’ሎ።

ካብ ሆስፒታል ብዝተረኽበ ሓበሬታ ኣብታ ሓያል ደገፍ ተቓወምቲ ዘለውዎ ከተማ ኪስምዩ ኣብ ዝተኻየደ ተቓውሞ ኣስታት 20 ሰባት ምቁሳሎም ሓቢሮም ኣለው።

XS
SM
MD
LG