ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኬንያዊያን መባእታዊ ምርጫ ከካይዱ ውዒሎም


ኣብ ኬንያ ኣብ ዝቕፅል ወርሒ መጋቢት ኣብዝካየድ ሃገራዊ ምርጫ ንምስታፍ ሎማዕንቲ ሓሙስ ኣብ ሙሉእ ኬንያ ኣብዝተኻየደ መባእታዊ ምርጫ ብዝነበረ ነዊሕ ሪጋን ምስኣን ናይ ድምፂ ወረቕቕትን ንመረፅቲ ዘሻቐለ ከምዝነበረ ተገሊፁ።እቲ ናይ ሎማዕንቲ መባእታዊ ምርጫ ኣብቲ ዝቕፅል ሃገራዊ ምርጫ እንታይ ከጋጥም ከምዝኽእል ሓባሪ ምልክት ክኸውን ስለዝኽእል ተዓዘብቲ ብቐረባ ይከታተልዎ ውዒሎም።

ድኻም ዝተሰምዖምን ዝተጭነቑን ከድምፁ ዝመፁ ብኣማእቲ ዝቑፀሩ ሰባት ኣብ ናይ ናይሮቢ ከባቢ ኪበራ ንሕፁያት ፓርቲ ሃገራዊ ጥምረት ንምምራፅ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ኣንግሊካን ክፅብዩ ይርኣዩ።
ምሃብ ድምፂ ንጉሆ ስዓት 12 ክጅምር ነይሩዎ።እንተኾነ ናይ መድመፂ ወረቐት ክሳብ ድሕሪ ስዓት ኣይበፅሐን ነይሩ።

ነባሪ ኪበራ ዛም ኦበድ ኣድመፅቲ ትዕግስቶም እናፀንቀቑ ኣብዝኸድሉ እዋን ወጥሪ ይንህር ኣሎ ትብል።

ኣብ ምሉእ እታ ሃገር ተመሳሳሊ ፀገማት ከምዘጋጠሙ ተፈሊጡ።ፓርቲ ሃገራዊ ጥምረት ነቲ ምድማፅ ብሓደ ማዕልቲ ከምዘናውሖ’ውን ኣፍሊጡ’ሎ።እቲ ፓርቲ ናይ መረፅቲ ዝርዝር ዝሓዘ ወረቐት ኣብ እዋኑ ኣየቕረበን ክብል ንናይታ ሃገር ኮሚሽን ምርጫ ነቒፉዎ።

ገሊኦም ሰባት ግን እቲ ምድንጓይን ወረቓቕቲ ንኽጠፍኡ ምግባርን ብፍላጥ ዝተገበረ ክኸው ከምዝኽእል ምጥርጣር ጀሚሮም ኣለው። መራሒ ማሕበር መናእሰይ ኪበራ ሊቪንግስተን ኦክወተ ሃዋማ ሰባት ድሮ እቲ ምርጫ ተጨበርቢሩ እዩ ኢሎም ስለዝኣመኑ ሻቐሎቶም ይገልፁ ኣለው።

እቶም ፀገማት ኣብ ፓርቲ ሃገራዊ ጥምረት ዝተደረቱ ከይኮኑስ ኣብ ካሊእ ቀንዲ ፖለቲካዊ ፓርቲ ኦረንጅ ዴሞክራቲክ ቸንጅ’ውን ናይ ድምፂ ወረቓቕቲ ኣብ ምቕራብን ናይ መድመፂ ቦታታት ብስዓቱ ዘይምኽፋቱን ፀገም ከምዘጋጠሞ ሓቢሩ’ሎ።

እዚ ናይ ኬንያ ናይ ሎሚዘበን መባእታዊ ምርጫ ካብቲ ቅድሚ ሕዚ ዝተፈለየ እዩ።ኣመሓደርቲ ክፍለግዝኣት፣ሰኔተራትን ናይ ደቂ ኣንስትዮ ወኪላትን በቲ ሓዱሽ ሕገ መንግስቲ ዝተፍጠሩ ፖለቲካዊ ስልጣናት ንምሓዝ ዝወዳደሩ ሕፁያት ንምሕራይ መረፅቲ ንፈለማ እዋን ክሓርይዎም ኣለዎም።
XS
SM
MD
LG