ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኬንያ ንፕሬዝዳንታዊ ምርጫ ብምስራዝ ካሊእ ምርጫ ክካየድ ኣዚዙ


ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፌደራል ኬንታ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ዝተኻየደ ፕሬዝዳንታዊ ምርጫ ሰሪዙ ካሊእ ኣብ ውሽጢ 60 ማዕልታት ክካየድ ኣዚዙ።እቲ ቤት ፍርዲ ብተወሳኺ ንዘይሕጋውን ዘይስርዑን ኣካይዳ እቲ ኮሚሽን ምርጫ ኬንያ ተሓታቲ እዩ ዝብል ብዝይን እውን ኣሕሊፉ’ሎ።ኬንያዊያን ነቲ ውሳነ ብሓጎስ ተቐቢሎዎ ኣለው።

መራሒ ተቓዋሚ ራይላ ኦዲንጋ ቤት ፍርዲ ነቲ ኡሁሩ ኬንያታ ስዒሮም ዝብል ውፅኢት እቲ ናይ ዝሓለፈ ወርሒክስረዝ ጥርዓን ኣቕሪቦም ነይሮም እዮም።

ኦዲንጋ ድሕሪ እቲ ብይን ኣብዝሃብዎ ሪኢቶ ‘’እዛ ማዕልቲ እዚኣ ንህዝቢ ኬንያ ብኡ ኣቢሉ ክኣ ንኣፍሪካ ታሪኻዊት ማዕልቲ እያ’’ኢሎም።’’ኣብ ታሪኽ ዴምክራሲ ኣፍሪካ ሓደ ቤት ፍርዲ ንዘይስሩዕ ኣካይዳ ፕሬዝዳንታዊ ምርጫ ክስርዝ እዚ ፈላማይ እዩ፤ኣብነታዊ ብይን እዩ’’ኢሎም ብምውሳኽ።

በቲ ውሳነ ዘይተሓጎሱ ፕሬዝዳንት ኡሁሩ ኬንያታ ክኣ በቲ ውሳነ ዘይተሓጎሱ’ዃ እንተኾኑ ንብይን እቲ ቤት ፍርዲ ክመዝቕበሉ ገሊፆም ኣለው።

‘’ሚሊዮናት ኬንያዊያን ምርጭኦም ገይሮም እዮም።ሹድሽተ ሰባት/ዳያኑ/ ግን ኣንፃር ሚሊዮናት ህዝቢ ወሲኖም።ዋላ እንተዘይተሰማማዕኹ እውን ግን ንውሳነ ቤት ፍርዲ ከኽብሮ እየ’’ኢሎም ኡሁሩ ኬንያታ።

XS
SM
MD
LG