ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረ. ኬንያታ ንቅትለት አባል ምርጫ ኬንያ ስዒቡ ዝተላዕለ ተቓውሞ ክሃድእ ጸዊዖም


ፕረዝደንት ኬንያ ኡሁሩ ኬንያታ
ፕረዝደንት ኬንያ ኡሁሩ ኬንያታ

ኬንያ ኣብ ዝቕፅል ሰሙን ፕረዝዳንታዊ ምርጫ ንምክያድ ኣብ እትዳለወሉ እዋን ሓደ ላዕለዋይ በዓልስልጣን ምርጫ ምቕታሎም ስዒቡ ዝገንፈለ ተቓውሞ ክሃድእ ናይ ኬንያ ፕረደንት ኡሁሩ ኬንያታ ምሕፅንታ ኣቕሪቦም።ተሓለቕቲ ሰብአዊ መሰላት ግን እቲ ቕትለት ኣጋጣሚ ኣይኮነን ይብሉ።

ሰልፈኛታት ናብ ቤት ፅሕፈት ኮሚሽን ምርጫ ብምኻድ ንክሪስቶፈር ሳንዶ ፍትሒ ሓቲቶም ኣለው።እቲ ቕትለት ኣጋጣሚ ኣይኮነን ይብሉ ተሓለቕቲ መሰላት፤ጆን ጊተንጎ ሓደ ካብኦም እዩ።

“ኣብ ኬንያ ላዕለዎት ሰበስልጣን መንግስቲ ክሞቱ፣ክስወሩ ወይ ክቕተሉ ልሙድ እዩ።ነቲ መስርሕ ምርጫ ንምዝራግ እዩ፤ኣብ ጥቓ እዋን ምርጫ ክኸውን ከሎ ኸአ ኣሰካፊ እዩ።ንስድራ ሚስተር ሳንዶ ንምፅንናዕ ኢና ኣብዚ ንርከብ፤ከቢድ ኪሳራ እዩ።ምስ ኮሚሽን ምርጫ ዘለና ሓድነት ንምጋልፅ እውን ኢና ኣብዚ ንርከብ።”

ኣቦ መንበር ኮሚሽን ምርጫ ኬንያ ድሕሪ እቲ መቕተልቲ ንሰራሕተኛታት ምርጫ ተወሳኺ ሓለዋ ክግበረሎም ሓቲቶም ኣለው።በቲ መቕተልቲ ንዝተቖጥዑ ንምርግጋፅ ኣብ ምፍታን ይርከቡ።ንክሪስ ክንዝክሮ ንኽእል ሚዛናዊ፣ርትዓውን ተኣማንን ምርጫ ብምክያድ ስለዝኾነ ሰላማዊ ምርጫ ክካየድ ፀዊዖም።

ፕረዝደንት ኬንያታ ነቲ ዝቕፅል ምርጫ ንምጭብርባር ድልየት ኣለዎም ክብል ቀንዲ ተቓዋሚ ጉጅለ ይኸስስ፤እቶም ፕረዝደንት ግን ነዚ ይነፅጉ።

ናይ ኬንያ ምርጫ ኩሉሻዕ ብክስታት ምጭብርባር ተዓጂቡ ይካየድ።ኣብ 2007 ዓ.ም ዝተኻየደ ምርጫ ስዒቡ ንኽልተ ኣዋርሕ ኣብ ዝተኻየደ ህውከትን ናዕብን ልዕሊ 1,100 ሰባት ምሟቶም ይዝከር።

XS
SM
MD
LG