ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ባይቶ ጸጥታ ሕ/ሃ ሓይልታት ወጻኢ ሃገር ኣብ ጸጥታ ሃይቲ ክዋፈር ወሲኑ


ባይቶ ጸጥታ ሕ/ሃ ሓይልታት ወጻኢ ሃገር ኣብ ጸጥታ ሃይቲ ክዋፈር ወሲኑ
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:31 0:00

ባይቶ ጸጥታ ሕ/ሃ ሓይልታት ወጻኢ ሃገር ኣብ ጸጥታ ሃይቲ ክዋፈር ወሲኑ

ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ነቶም ልዕሊ ዓቅሚ ሓይሊ ፖሊስ ሃይቲ ዝኾኑ ቀይዲ-በተኻት ንምቅላስ ብኬንያ ዝምራሕ ሓይሊ ሕብረት ሃገራት ናብ'ታ ሃገር ንምልኣኽ ዘኽእል ውሳነ ኣጽዲቑ።

እቲ መጀምርያ ብኣመሪካ ናብ ባይቶ ጸጥታ ዝቐረበ ሓሳብ ትማሊ ሰኑይ ብ13- ድምጺ ደገፍን ብድምጸ ተዓቅቦ ቻይናን ሩስያን ጸዲቑ'ሎ።


ነቲ ውጥን ዝነቅፋ ወገናት ፖሊስ ኬንያ ኣብ ሃገሩ ቅትለታት ብምፍጻም ስቅያትን ከም ዝኽሰስ ብምጥቃስ ይወቅሱ። ገለ ከኣ እቶም ቋንቋ እንግሊዝ ተዛረብቲ ዝኾኑ ሓይሊ ብኸመይ'ዮም ምስቶም ቋንቋ ሃይቲ ዝዛረቡ ክረዳድኡ ብምባል ይሓቱ።

ምምሕዳር ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን ብወገኑ ናይ ሎጂስትክስን 100- ሚልዮን ዶላርን ገንዘባዊ ደገፍ ነቲ ብኬንያ ዝምራሕ ሓይሊ ንምሃብ ቃል ኣትዩ'ሎ።

ፕረ.ኬንያ ዊልያም ሩቶ ሓይልታት ወጻኢ ሃገር ኣብ ምኽባር ጸጥታ ሃይቲ ክዋፈሩ ዝብል ዝሓለፈ ውሳነ ብሓጎስ ተቐቢሎምዎ ኣለው።

ይኹን’ምበር ገለ ኬንያውያን ነቲ ሓሳብ ክድግፍዎ ከለዉ ካልኦት ድማ ኣብ’ቲ እማመ ዘለዎም ስኽፍታ ይገልፁ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG