ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

 ፖሊስ ኬንያ ሰልፈኛታት ንምብታን ዘንብዕ ጋዝ ተኲሶም


ፖሊስ ኬንያ ኣብ ማእኸላይ ክፋል ከተማ ናይሮቢ ሎሚ ሓሙስ ንዝተገብረ ናይ ተቃውሞ ሰልፊ ንምብታን ዘንብዕ ጋዝ ተኲሶም።

ፖሊስ ዘንብዕ ጋዝ ዝተኮሱ እቶም ሰልፈኛታት ንቤተ-መንግስቲ “ክንሕዝ ኢና” ኢሎም ድሕሪ ምግላፆም’ዩ።

ነቲ ተቃውሞ ክለዓል ምኽንያት ንዝኾነ እማመ ወሰኽ ግብሪ ፕረዚደንት’ታ ሃገር ከም ዝስሓብዎ ወላ እንተገለፁ’ዃ እቶም ሰልፈኛታት ተቃውሞ ካብ ምግባር ኣይዓገቶምን።

እቶም ፕረዚደንት ነቲ ሕጊ ንምስሓቡ ዝወሰኑ ብዉሑዱ 23-ሰባት ዝተቀትልሉ ጎንፂ ድሕሪ ምክያዱ ድሕሪ ሓደ መዓልቲ ትማሊ ረቡዕ’ዩ። እንተኾነ እዚ ስጉምቲ ነቶም ሰልፈኛታት ዘደዓዕሶም እንተኾይኑ ንጹር ኣይኮነን።

ፕረዚደንት ዊልያም ሩቶ ኣብ ካልኣይ ዓመት ስልጣኖም በቲ ብኦንላይን ዝጀመረ ተቃውሞ ወሰኽ ግብሪ ድሒሩ ከኣ ብመንእሰያት ዝምራሕ ዘሎ ተቃውሞ ሓፋሽ ኣብ ከቢድ ቅልውላው ይርከቡ።

ይኹን’ምበር ሰኣን ብቁዕ መሪሕነት እዚ ተቃውሞ ሰልፊ ክሳብ ክንደይ ርሕቀት ክኸይድ ኣብ ዝብል ደገፍቲ ተከፋፊሎም’ለዉ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG