ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ዝደገሰ ህዝባዊ ተቓውሞ ኬንያ፡ ጋዜጠኛታት ዝርከቡዎም ብርክት ዝበሉ ሰባት ቆሲሎም


ተቃውሞ ኣብ ናይ ናይሮቢ ኬንያ 8 ነሓሰ 2024
ተቃውሞ ኣብ ናይ ናይሮቢ ኬንያ 8 ነሓሰ 2024

ብተዛማዲ ሃዲኡ ዝጸንሐ ህዝባዊ ተቓውሞ ኬንያ፡ ሎሚ ሓሙስ ብኣዝዩ ንኡስ ጉጅለ ጀሚሩ ቀልጢፉ ክጎሃሃር ምስ ጀመረ፡ ፖሊስ ዘንብዕ ጋዝ ብምትኳስ ጋዜጠኛታት ዝርከቡዎም ተሰለፍቲ ኣቝሲሎም።

ናይ ሎሚ ሓሙስ ተቓውሞ ክለዓል እንከሎ፡ ፕረዚደንት ዊልያም ሩቶ ካብቲ ከባቢ ገለ ኪሎሜተራት ኣብ ዝረሓቐ ቦታ ንቃለ-ማሕላ ሓድሽ ካቢነኡ ይከታተል ነይሩ። ድሕሪ’ቲ ዝተላዕለ ተቓውሞ ፖሊስ ነቲ ተቓውሞ ክዓብሱ ቀልጢፎም’ዮም ተጓዮም።

ነቲ ተቓውሞ ዘልዓሉ ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ መንእሰያት ብሰላማዊ መንገዲ ይግስግሱሉ ኣብ ዝነበሩ እዋን፡ ፖሊስ ዘንብዕ ጋዝ ተኲሱ ከም ዘቝሰለ ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ይጠቅስ። ካብ መንጎ’ቶም ዝቖሰሉ ነቲ ሰለማዊ ሰልፊ ክጽብጽቡ ዝተረኽቡ ሰለስተ ጋዜጠኛታት ካብ ናይ ቀረባ ርሕቀት ከም ዝተሃርሙ እቲ ዜና ወሲኹ ይሕብር።

ኣብ መፋርቕ ወርሒ ሰነ ዝጀመረ ህዝባዊ ተቓውሞ ኬንያ፡ እቲ ኣከራኻሪ ንድፊ ግብሪ ምስ ተሰረዘ ሃዲኡ’ዩ ጸኒሑ። ኣብቲ ኣስታት 60 ሰባት ዝተቐትልሉ ተቓውሞ፡ ድሒሩ ፕረዚደንት ዊልያም ሩቶ ካብ መዝነቱ ክወርድ’ዩ ክሓትት ጀሚሩ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG