ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኬንያ ዓቐብቲ ሰላም ናብ ሃይቲ ክትሰድድ'ያ


ፕረዚደንት ዊልያም ሩቶ ኣብ ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት
ፕረዚደንት ዊልያም ሩቶ ኣብ ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት

መራሕቲ ዓለም ነቲ ኣብ ሃይቲ ዘሎ ጎንጺ ቀይዲ-በተኻት ንምዕጋት ንወተሃደራት ኬንያ ናብታ ሃገር ክሰዱ ተስፋ ይገብሩ`ለዉ። ጎኒ ንጎኒ ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት፡ ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንተኒ ብሊንከን ነቲ ጉዳይ ምስ ፕረዚደንት ኬንያ ዊልያም ሩቶ ኣልዒልዎ ኔሩ። ንገለ ደቂ ሃይቲ ግን እቲ ሓሳብ ባህ ኣየበሎምን።

ኣብ ሃይቲ ጎንጺ መጠኑ ዝሓለፈ`ዩ፡ በጋሚዶታት ንርእሰ ከተማ`ታ ሃገር ዝኾነ ፖርት ኣው ፕሪንስ 80% ከም ዝቆጻጸርዋ ይንገር። ኣባይቲ ተቓጺሉ ኣብያተ ትምህርቲ ተዓጽዩ ብዝሒ ዘለዎም ዜጋታት ተፈናቒሎም።

ሕጂ ግን ነቲ ህውከት ከህድእ ዝተኣመነሉ ሓገዝ ካብ ወጻኢ ክኣቱ ይሕሰብ ኣሎ። ኬንያውያን ዝመርሕዎን 1-ሺሕ ዝሓዘን ናይ ዝተፈላለያ ሃገራት ወተሃደራት ብቕልጡፍ ናብታ ሃገር ክኣትው ይስርሓሉ`ሎ። ዛጊት ኣብቲ ኬንያ ትገብሮ ጻዕሪ ምዕቃብ ሰላም ፡ ጃማይካን ባሃማስን ክሕግዛ ኢደን ዘርጊሐን ኣለዋ። ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንተኒ ብሊንከን ምስ ፕረዚደንት ኬንያ ኣብ ኒውዮርክ ኣብ ጎኒ ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ተራኺቡ ኔሩ፡። ድሕሪኡ ፕረዚደንት ኬንያ ዊልያም ሩቶ ንሓፈሻዊ ጉባኤ ሕቡራት ሃገራት ከምዚ ክብል መደረ ኣስሚዑ ኔሩ፡፡

“ ብኽያት ናይ`ዞም ካብ ጨካን ባዕዳዊ መግዛእቲ ናጽነቶም ንምርካብ ቅድሚ ኩሉ ዝተቓለሱ ኣሕዋትን ኣሓትን ኣብ እዝንና በጺሑ`ሎ፡ ልብና`ውን ተንኪፉ`ሎ።”

ከምኡ`ውን ኣብ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ብዛዕባ ቁጠባዊን ማሕበራውን ሳዕቤናት`ቲ ጎንጺ ዝዝቲ ሓደ ናይ ምኽክር ጉጅለ ቆይሙ`ሎ። እዚ ዝኸውን ዘሎ ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን ነቲ ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት መደረ ድሕሪ ምስምዑ ድሕሪ ክልተ መዓልታት`ዩ፡፡

“ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ነዚ ተልእኮ`ዚ ሕጂ ከጽድቖ እጽውዕ። ህዝቢ ሃይቲ ኪነው`ዚ ክጽመም ኣይክእልን`ዩ፡፡"

እንተኾነ እቲ ናብ ሃይቲ ዓቃቢ ሰላም ሰራዊት ምእታው ዝብል ሓሳብ ንገለ ኣብ ኒው-ዮርክ ዝነብሩ ተወለድቲ ሃይቲ ባህ ዘበለ ኣይኮነን። ነቲ ኣብ 2010 ዓቀብቲ ሰላም ነፓል ናብ ሃገሮም ዘእተውዎ ሕማም ኮሌራ`ውን ዝዝክሩ ኣለዉ። ወስሊ ያን ሲሞን ኣብ ኒውዮርክ ዝነብር ሃይሻዊ ኣመሪካዊ`ዩ : "ጎንጺ ዓዋሉ ኣብ ሃይቲ ካብ ነዊሕ ዝቐጸለ ተርእዮ `ዩ። ሃይቲያውያን`ዮም ፈጢሮሞ ፡ ስለዚ ባዕልና ክነዐርዮ ኣለና፡፡"

ሮዝ ማርሊን ብወገና ኣብ ሃይቲ ድሕነት የለን፡ ዝኾነ ሰብ ሰላም ክስምዖ ኣይክእልን`ዩ ትብል፡“ውሕስነት የለን። ብፍላይ እቲ ፕረዚደንት ምስ ተቐንጸለ፡ ኣብ ሃይቲ ዝኾነ ሰብ ንህይወቱ ውሕስነት ክስምዖ ኣይክእልን`ዩ፡፡”

ሎሚ ዓርቢ ምሸት ቀዳማይ ሚንስተር ሃይቲ ኣሪኤል ሀንሪ ነቲ ሓፈሻዊ ዋዕላ መራሕቲ ሕቡራት ሃገራት መደረ ከስምዕ`ዩ፡፡ ብተመሳሳሊ ድማ ሀይቲያውያን ኣንጻሩ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ይገብሩ`ለዉ። ናብ ኣኼባ ሕቡራት ሃገራት ዝወስድ መንገዲ ተዓጽዩ`ዩ፡፡

ባይቶ ጸጥታ ዝመጽእ ሰሙን ኬንያውያን ዓቀብቲ ሰላም ናብ ሃይቲ ብዛዕባ ምስዳድ ድምጺ ክህብ`ዩ።

ቅጥዒ

Recommended

XS
SM
MD
LG