ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሳዕቤን ውሳነ ፓርላማ ኬንያ ቀሊል ኣይኮነን ተባሂሉ


ICC
ICC
ፓርላማ ኬንያ፣ካብ ኣባልነት ዓለም-ለኸ ቤት ፍርዲ ገበን ሃገሮም ንክትወፅእ ትማሊ ከምዝወሰኑ ገሊፅና ነይርና።እቲ ፓርላማ ነዚ ውሳነ‘ዚ ዘሕለፈ፣እቲ ቤት ፍርዲ ብጠንቂ ገበን ሰብኣዊነት ኣብ ልዕሊ ፕረዚደንትን ምክትሎምን ሙግት ድሕሪ ምጅማሩ‘ዩ።ኬንያ ካብ ኣባልነታ እንተሲሕባ፣ ኣብ ታሪኽ‘ቲ ቤት ፍርዲ ፈላማይ ፍፃመ ኮይኑ ክምዝገብ‘ዩ።ሳዕቤኑ‘ውን ቀሊል ኣይኸውንን።

ኣባላት ተቃውሞ ፓርቲ ነቲ መድረኽ ክትዕ ረጊፆም ድሕሪ ምውፃኦም፣እቲ ኬንያ ካብ ኣባልነት ዓለም-ለኸ ቤት ፍርዲ ገበን ንክትወፅእ ዝፅውዕ ኣጀንዳ ብቀሊሉ‘ዩ ሓሊፉ።

እቲ ውሳነ ዝሓለፈ ድማ፣ፕረዚደንትን ምክትሎምን ኣብ ዘ-ሄግ ዝመደብሩ ዓለም-ለኸ ቤት ፍርዲ ገበን ክሶም ክስማዕ ኣብ ዝጀመረሉ ጊዜ‘ዩ።

ኣብ‘ቲ ፓርላማ ኣብዛሓ መንበር ናይ ዝሓዘ ፓርቲ ኣቦ-መንበር ኣደን ዱዋሌ፣ኬንያ ካብ ኣባልነት ቤት ፍርዲ ገበን ንክትወፅእ ውሳነ ምሕላፉ ዝተሰመዖም ክገልፁ ከለው ”ክቡር ኣፈጉባኤ፣ከምመጠን ሃገር፣ሎሚ ዘሕለፍናዮ ውሳነ፣ንሃገራውነትና ዘንፀባርቅ መግለፂ ሉኣላዊነት‘ዩ” ኢሎም።

ምክትል ፕረዚደንት ዊልያም ሩቶን ጋዜጠኛ ጃሽዋ ኣራፕ ሳንግን፣ክሶም ሰሉስ ክጅምር‘ዩ።ሙግት ፕረዚደንት ኡሁሩ ኬንያታ ድማ፣ዝመፅእ ሕዳር።

ሰለስቲኦም ብጠንቂ‘ቲ ቅድሚ ሽዱሽተ ዓመት ድሕረ-ምርጫ ዝተወለዐ ህውከት፣ህይወት ልዕሊ ሓደ ሽሕ ጠፊኡ ተባሂሎም ብምልዕዓል‘ዮም ተኸሲሶም።

እዚ ከምዚ‘ሉ ከሎ፣እቲ መስርሕ ሙግት ንሉኣላዊነት ኬንያ ከምዘይደፍር ወሃቢ-ቃል ዓለም-ለኸ ቤት ፍርዲ ገበን ፋዲ ኣል ዓብደላ ገሊፁ፥

”ኩለን ኣባላት ዓለም-ለኸ ቤት ፍርዲ ገበን፣ንኬንያ ሓዊስካ፣ሉኣላዊነተን ብናፅነት ዘረጋግፃ‘የን።ህዝቢ ኬንያ‘ውን ከምኡ ዴሞክራሲያዊ መሰላቱ ኣብ እዋን ፕረዚደንታዊ ምርጫ ኣረጋጊፁ‘ዩ።መስርሕ ዓለም-ለኸ ቤት ፍርዲ መስርሕ ፍትሒ‘ምበር፣ፖለቲካዊ ኣይኮነን” ኢሎም።

ዊልያም ሩቶን ኡሁሩ ኬንያታን ቅድሚ‘ቲ ህውከት ዘስዐበ ምርጫ ተፃባእቲ ነይሮም።ኣብ‘ዚ ናይ ዳሕረዋይ ምርጫ ግና ግንባር ፈጢሮም።ወፍሪ ምርጫ ድማ፣ንዓለም-ለኸ ቤት ፍርዲ ገበን ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይ ኬንያ ጣልቃ ይኣቱ ከምዘሎ ኣምሲልዎ።ዋና ዓቃቢ-ሕጊ‘ቲ ቤት ፍርዲ ፋቱ ቤንሶዳ ግና ነቲ ነቀፌታ ትነፅጎ። ”ፓርላማ ኬንያ፣ፍሉይ መርማሪ ኮምሽን ንክቀውም ዘሕግዝ ሕጊ ከሕልፍ ኣይካኣለን።ካብኡ ኣስዒቡ መንግስቲ ኬንያ፣ነቶም ሰለስተ ዝተኸሰሱ ውልቀ ሰባት፣ይምርምሮምን ክኸሶም እንተኾይኑን ንቤት ፍርዲ ዓለም ኣይሓበረን” በለት።

ኬንያ ካብ ኣባልነት ዓለም-ለኸ ቤት ፍርዲ ገበን ምውፃኣ ሳዕቤኑ ብዙሕ‘ዩ ይብል ኣብ ለንደን ንክፍሊ መፅናዕቲ ርሑቅ ምብራቅን ኣፍሪቃን ዓለም-ለኸ ቤት ፍርዲ ገበንን ዝከታተል ፊል ክለርክ።

”እዚ ማለት፣እቲ ቤት ፍርዲ ኣብ ባይታ ከካይዶ ንዝደልዮ መስርሕ ምፅራይ ኬንያ ኣይትተሓባበርን ማለት‘ዩ።መሰኻኽር ምርካብ ኣይካኣልን ማለት‘ዩ።ብዝዓዘዘ ጎኑ ድማ፣ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃ፣ንኣሰር ኬንያ ስዒበን ንሕና‘ውን ካብ ኣባልነት‘ቲ ቤት-ፍርዲ ክንወፅእ ኢና ክብላ ይኽእላ“ ኢሉ።

ዓለም-ለኸ ቤት ፍርዲ ገበን ብምኽንያት ዘርኢ ጥራሕ ንኣፍሪቃውያን ይሃድኖም‘ሎ ክብል ሕብረት ኣፍሪቃ ከምዝኸሰሰ ይዝከር።እቲ ቤት ፍርዲ ግና ነዚ ነቀፌታ‘ዚ ኣበርቲዑ ነፂግዎ‘ዩ።ፊል ክላርክ ግና፣እዚ ኣተሓሳስባ ሕብረት ኣፍሪቃ፣ሰፊሕ ተቀባልነት ይረክብ ኣሎ ይብል።

ኬንያ ካብ ኣባልነት ቤት ፍርዲ ዓለም ንምውፃኣ ክሳብ ሓደ ዓመት ክወስደላ‘ዩ።ካብ ፓርላማ ሓሊፉ፣መንግስቲ ኬንያ ነቲ ውሳነ ተቀቢሉ፣ንዋና ፀሓፊ ሕቡራት ሃገራት ከፍልጥ ይግባእ።
XS
SM
MD
LG