ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕሬዝዳንት ኦባማ ኬንያ ኣትዮም


ናይ ዩናይትድ ስቴትስ ፕሬዝዳንት ባራክ ኦባማ ንናይ ክልተ ማዕልታት ዑደት ሎማዕንቲ ዓርቢ ኣማሲዮም ኣብ ኬንያ ኣትዮም።ኣብ ጉዳያት ንግድን ፀጥታን ክዘራረቡ እዮም።

ሓይልታት ፀጥታ ኣብ ናይሮቢ ስጡም ሓለዋ ከካይዱ፣ጎደናታት እውን ብግዚያውነት ተዓፂዮም ይርኣዩ።

ንፕሬዝዳንት ኦባማ ንምቕባል ጎደናታት ናይሮቢ ተፀባቢቖም ይርኣዩ።እታ ከተማ ብዙሕ ገንዘብ ኣውፂኣ’ላ።

ፕሬዝዳንት ኦባማ ፅባሕ ቀዳም ንዓለምለኸ ጉባኤ መራሕቲ ፈጠራ ንግዲ መደረ ከስምዑ እዮም።

ኦባማ ኣብታ ሃገር ዑደት ምክያዶም ካብኡ ዝዘለለ ፍሉይ ኣገዳስነት ኣለዎ፤ንኬንያን ኬንያዊያንን።ምዕራባዊ ኬንያ ወልዲ ኣቡኦም ንፕሬዝዳንት ኦባማ ዝተወልዱሉን ዝተቐብርሉን ከባቢ እዩ።

ኦባማ ኣባል ሰኔተር እናሃለው ኣብ 2006 / ናብ ኬንያ ተጓዒዞም ነሮም።ከም ፕሬዝዳንት ግን እዚ ንፈለማ ግዚኦም እዩ።ናይ ኬንያ ምኽትል ፕሬዝዳንት ዊሊያውም ሩቶ ‘’ፕሬዝዳንት ኦባማ ከም ካሊእ ናይ ኣሜሪካ ፕሬዝዳንት ኣይኮኑን’’ምስበሉ ኣስዒቦም ‘’ኣፍሪካዊ ሱር ኣለዎም፤ልዕሊ ኩሉ ድማ ኬንያዊ ሱር ኣለዎም።ስለዚ ኣዚዩ ፍልይ ብዝበለ መልክዑ ኣገዳሲ እዩ’’ኢሎም።

ዝበዝሕ ትኹረት ዑደቶም ምድንፋዕ ንግዲ እንተኾነ እውን ናይ ፀጥታ ኣጀንዳ እውን ካሊእ ዝዘራረብሉ ዓብዪ ጉዳይ እዩ።

ኬንያ ብተደጋጋሚ ዒላማ እስላማዊ ኣኽራሪ ጉጅለ ኣል-ሸባብ ኮይና ፀኒሓ እያ።ኣብ ዝሓለፈ ሚያዚያ’ዃ ኣብ ውሽጢ ዩኒቨርስቲ ጋሪሳ መብዛሕቲኦም ተምሃሮ ዝኾኑ 148 ሰባት ተጨፍጪሮም እዮም።

ድሕሪ ናይ ኬንያ ናይ ክልተ ማዕልታት ዑደት ፕሬዝዳንት ኦባማ ናብ ኢትዮጵያ ክጉዓዙ እዮም።

XS
SM
MD
LG