ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኬንያዊያን ኣባላት ፓርላማ ካብ ዓቐን ንላዕሊ ናይ ጡረታ ረብሓ ዘረጋግፀሎም ሕጊ ኣፅዲቖም


Kenyans demonstrate against their Members of Parliament who last week quietly awarded themselves a $110,000 bonus for five years of service in parliament, in downtown Nairobi, Kenya, October 9, 2012.
Kenyans demonstrate against their Members of Parliament who last week quietly awarded themselves a $110,000 bonus for five years of service in parliament, in downtown Nairobi, Kenya, October 9, 2012.
ኣባላት ፓርላማ ኬንያ ጡረታ ክወፁ ከለው ናይ ሓደ ሚእቲ ሽሕ ዶላር ናይ ገንዘብ ሞቕሽሽ ሓዊሱ ካብ ዓቐን ንላዕሊ ናይ ጡረታ ረብሓታት ዘርክበሎም ፓርላማ ኬንያ ትማሊ ዘሕለፎ ውሳነ ንኬንያዊያን ኣቖጢዑዎም ኣሎ።እቶም ፕሬዝዳንት ነቲ ሕጊ ንኸይፍርምዎ ዝፅውዕ ናይ ኢንተርኔት ዘመቻ ይካየድ ኣሎ።

ናይ ኬንያ ኣባላት ፓርላማ ሕድ ሕድ ኣባላት ብዙሕ ናይ ገንዘብ ሞቕሽሽ ንኽውሃቦም፣ክሳብ ዕድሚኦም ደሕንነቶም ዝሕሊ ዓጃቢን ዘዋሪ መኪና ንኽምደበሎም ከምኡ’ውን ክሞቱ ከለው መንግስታዊ ስነስርዓት ቐብሪ ክግበረሎም ዝፈቅድ ናይ ጡረታ ሕጊ ትማሊ ምሸት ኣፅዲቖም።

ናይ ኬንያ ፕሬዝዳንት ሙዋይ ኪባኪ እቲ ፓርላማ ቅድም ክብል ኣፅዲቑዎ ዝነበረ ተመሳሳሊ ውሳነ ዝሓለፈ ወርሒ ነፂጎምዎ እዮም።እቶም ኣባላት ፓርላማ ኣብቲ ናይ ትማሊ ሕጊ ካሊእ መመሓየሺ ሓስብ ወሲኾምሉ።እቶም ፕሬዝዳንት ኣብዚ ሒዝናዮ ዘለና ዓመት ጥሮታ ክወፁ እንተለው ናይ 300 ሽሕ ዶላር ሞቕሽሽ ንኽውሃቦም ዝእዝዝ ዓንቀፅ።

ዝተቖጥዑ ዜጋታት እታ ሃገር ሎማዕንቲ ዓርቢ ብማሕበራዊ መራኸቢ ቲዊተር ኣቢሎም ተቓውምኦም ምስማዕ ጀሚሮም።ኣብ ካልኦት ማሕበራዊ መራኸቢታት’ውን ኬንያዊያን ንቶም ኣባላት ፓርላማ ሓሳማ ብምባል የላግፁሎም ኣለው።

ኣንፃር እቶም ኣባላት ቤት ምኽሪ ዝካየድ ዘመተ ዝመርሕ ዘሎ ፍሉጥ ኬንያዊ ናይ ኢንተርኔት ፀሓፊ ሮበርት ኣላይ ኣባላት ፓርላማ ንሓሙሽተ ዓመት ጥራሕ ስለዘገልገሉ ክንድዚ ዝኣክል ገንዘብ ኬንያ ክትኸፍሎም ግቡእ ኣይኮነን ኢሉ።

እቲ ናይ ኢንተርኔት ዘመተ ንቐልቢ ቀዳማይ ምንስቴር ኬንያ ራይላ ኦዲንጋ ብምስሓብ ብትዊተር ኣቢሎም ነቲ ናይ ጡረት ረብሓ ብትሪ ነቒፎምዎ ኣለው።

ፕሬዝዳንት ሙዋይ ኪባኪ ነቲ ሕጊ ከፅድቑዎ ወይ’ውን ክስዕሩዎ እታ ሃገር ትፅቢት ኣብ እትገብረሉ እዋን ኬንያዊያን ኣባላት ፓርላማ ዝሓተቱዎ መንግስታዊ ስነስርዓት ቀብሪ ክረኽቡ ተስፋ ንገብር እናበሉ ብኢንተርኔት ኣቢሎም ይቕልዱሎም ኣለው።
XS
SM
MD
LG