ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

CPJ ኣብ ኬንያ ነፃነት ፕረስ የንቆልቁል ኣሎ ኢሉ


CPJ
CPJ

ኣብ ዩናይትድ ስቴትስ ዝመደብሩ ንጋዜጠኛታት ዝሕለቕ ትካል CPJ ኣብ ኬንያ ሃውህው ነፃነት ፕረስ የንቆልቁል ኣሎ ክብል ፀብፃብ ኣውፂኡ።ኬንያዊያን ጋዜጠኛታት ንዓፋኒ ሕግን ኣካላዊ መጥቓዕትን ተሳጢሖም ኣለው ይብል እቲ ፀብፃብ።

ንነዊሕ እዋን ኣብ ምብራቕ ኣፍሪካ ከም ሓያል ይርአ ዝነበረ ናይ ኬንያ ሚዲያ ሓደጋ የንፀላልዎ ብመሰረት ሎማዕንቲ ረቡዕ ዝወፀ ፀብፃብ CPJ።ብፍላይ ድማ ካብ ዋና ከተማ ናይሮቢ ወፃኢ ኣብ ልዕሊ ጋዜጠኛታት ዝፍፀሙ ምቕጥቃጥ፣ ማሰርትን ምፍርራሕን ሰኒዱሎ።

ሰራሕተኛ CPJ ዝኾኑ ቶም ሮድስ ናይ ኬንያ ፕሬዝዳንት ኡሁሩ ኬንያታ ቅድሚ ክልተ ዓመት ናብ ስልጣን ካብ ዝድይቡ ስራሕ ጋዜጠኝነት ኣዚዩ ሓደገኛ ሙያ ኮይኑ ይብሉ።

‘’ኣብዚ ዓመት እዚ ካብ ጥሪ ክሳብ ግንቦት 2015 ኣብ ናይ ኬንያ ፕሬስ ዝተፈፀሙ መጥቓዕትታት፣ምፍርራሓት፣ማሰርትን ምንክልባትን ብድምር 19 ጉዳያት ሰኒድናን ኣለኹ’’ዝበሉ ንሶም ብስምዓብ ‘’ኣብ ኬንያ ኣብ ዝፀናሕኹለን ኣርባዕተ ዓመታት ክንድዚ ዝኣክል ምንክልባት ሪአ ኣይፈልጥን’’ኢሎም።

በደለኛታት ዘይሕተቱ ምዃኖም ኣዚዩ ዘሻቕል እዩ ይብሉ ወሲኾም። ኣብዚ ዓመት ዝተፈፀሙ መጥቓዕትታት ብሰበስልጣን ኬንያ ወይ ብፖሊስ ኮይኑ ምስ ምስሕሓብ መሬት፣ግዕዝይና፣ፀጥታን ዓለምለኸ ቤት ፍርዲ ገበንን ዝተሳሰሩ እዮም ይብሉ ሮድስ።

ጋዜጠኛታት ዘስግኦም ሓደጋ የለን ይብሉ ሰበስልጣን መንግስቲ።ይኹን እምበር ኬንያ ንነፃ ፕረስ ዝድርቱ ብፍላይ ድማ ኣብ ጉዳያት ፀጥታን ምሽጥር ዝኾነ ሓበሬታ ሪፖርት ናይ ምግባር መሰል ዝድርቱን ገሊኦም ብቤት ፍርዲ ዝተርኣዩን ተኸታተልቲ ሕግታት ኣብ ቀረባ ኣፅዲቓላ።

እቲ ምንክልባት ኣብ ስሩዕ ሚዲያታት ዝተሓፀረ ኣይኮነን፤ብመሰረት ፀብፃብ CPJ።መንግስቲ ንማሕበራዊ መራኸቢ እናተኸታተለ ኣብ ዝተፈላለዩ ኣርእስትታት ተሞርኪሶም ኣብ ብሎግን ፌስቡክን ንዝፀሓፉ ሰባት እውን ከምዝኣሰረ ንመሰል ጋዜጠኛታት ዝሕለቕ CPJ ኣብ ፀብፃቡ ሓቢሩ’ሎ።

XS
SM
MD
LG