ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ናይ ናይሮቢ ማእኸል ዕዳጋ ሎማዕንቲ እውን ቶኽስን ፍንጀራን ክስማዕ ውዒሉ


Kenya Mall Attack
Kenya Mall Attack
ኣብ ዋና ከተማ ናይሮቢ ኣብ ዝርከብ ዓብዪ ናይ ዕዳጋ ማእኸል ዘጋጠመ ቅልውላው ሎማዕንቲ ራብዓይ ማዕልቱ ሕዚ’ሎ።ወታደራዊ ሓይልታት እታ ሃገር ነቲ ከባቢ ንምቁፅፃር ስርሒቶም ቐፂሎም ኣለው።

ወታደራዊ ሓይልታትን ፖሊስን ኬንያ ናይ ሱማሊያ ኣኽረርቲ ዕጡቓት ንሰባት ጨውዮም ንዝሓዝሉ ናይ ናይሮቢ ዓብዪ ማኽእለ ዕዳጋ ነፃ ንምውፃእ ሎማዕንቲ ሰሉስ እውን እናፈተኑ እዮም።ምስንቴር ውሽጢ ሃገር ኬንያ እቲ ቶኽሲ ናብ መወዳእታ ገፁ እዩ እንተበለ እውን ሎሚ እውን ቶኽሲን ፍንጀራን ክስማዕ ወዒሉ’ሎ።ሰበስልጣን እታ ሃገር ንዝሓለፉ ክልተ ማዕልታት ተመሳሳሊ መልእኽትታት ከሕልፉ ፀኒሖም ኣለው።

ኬንያ ኣንፃር ኣል-ሸባብ ዝዋግኡ ወታደራታ ናብ ሱማሊያ ድሕሪ ምልኣኻ ድሕሪ ክልተ ዓመታት ኣል-ሸባብ እቲ ውግእ ናብ ኬንያ ወሲዱዎ’ሎ።

ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2011 ኣ/ፈ ሓይልታት ኬንያ ብኣል-ሸባብ ዝፍፀሙ ዶብ ዘለል መጭወይትን መጥቓዕትታትን ንምምካት ብዝብል ናብ ሱማሊያ ወታደራት ልኢኻ።ኬንያ ወታደራታ እንድሕሪ ዘይስሒባ እቲ ውግእ ናብ ናይሮቢ ዓብይቲ ህንፃታት ከምዝወስዶ ኣል-ሸባብ ካብ ፈለማ ጀሚሩ ከጠንቅቕ ፀኒሑ እዩ።

እቲ ጉጅለ ክህቦ ዝፀንሐ መጠንቀቕታ ዝሓለፍ ቀዳም ኣብ ግብሪ ኣውዒሉዎ’ሎ።እንተውሓደ 10 ዕጡቓት ኣብ ከተማ ናይሮቢ ንዝርከብ ዓብዪ ማእኸል ዕዳጋ ብምውራር ንዓሰርተታት ቐቲሎም፤ን175 ሰባት ኣቑሲሎምን ንኻልኦት ድማ ጨዊዮምን።

ናይቲ ከባቢ ናይ ፀጥታ ክኢላታትን ገለ ናይ ወፃኢ ኤምባስታትን እቲ ጉጅለ ኣብ ከተማታት ኬንያ ክንድቲ ሎሚ ተፈፂሙ ዘሎ መጥቓዕቲ ንምፍፃም ይትል ከምዘሎ ኣጠንቂቖም ነይሮም።

ናይሮቢ ኣብ ዝመደብሩ ማእኸል መፅናዕቲ ፀጥታ ላዕለዋይ ተመራማሪ ዝኾኑ ኣማኑኤል ኪሲያንጋኒ ነቲ መጥቓዕቲ ዝፈፀምዎ ሰባት ምስቲ ኣኽራሪ ጉጅለ ንብዙሕ እዋን ዝፀንሑ፣ኣዝዮም ዝተዳለውን ዝሰልጠኑን ይመስሉ ይብሉ።

ኣል-ሸባብ ብወታደራዊ ፃዕርታት ዓቀብቲ ሰላም ሕብረት ኣፍሪካን ወታደራት መንግስቲ ሱማሊያን ኣብ ሱማሊያ ቦታ እናስኣነን እናተዳኸመን እዩ ፀኒሑ።ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ወቒዕኻ ምህዳም ኣቶኪሩ ይንቀሳቐስ ነይሩ።

ብጥቡቕ እስላማዊ ሕጊ እትመሓደር ዓባይ ሱማሊያ ንምፍጣር ከመይ ክንዋጋእ ኣለና ብዝብል ምኽንያት ኣብ ውሽጢ እቲ ጉጀል ምንቕቓዕ ተፈጢሩ እዩ።
ገለ መራሕቲ ኣል-ሸባብ እቲ ውግእ ኣብ ውሽጢ ሱማሊያ ጥራሕ ክወሰን ኣለዎ እንትብሉ ጎዳኔ ብዝብል ስም ዝፍለጥ ከም ሙኽታር ኣቡ ዙብየር ዝበሉ ካልኦት መራሕቲ ድማ እቲ ውግእ ዓለማዊ ወይ ናይ ቅዱስ ኵናት ክኸውን ኣለዎ ክብሉ ፀኒሖም እዮም።

ኣብ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ዩናይትድ ስቴትስ ዝነበሩ ዴቪስ ሽን ምስ ቪኦኤ ኣብዘካየድዎ ቃለ ምልልስ ናይ ናይሮቢ መጥቓዕቲ እቲ ጉጅለ ፅልውኡ ንምሕያል ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ጠመተ ይገብር ከምዘሎ ሓባሪ ምልክት ክኸውን ይኽእል እዩ ይብሉ።ኣል-ሸባብ ከም ናይ ኬንያን ሕብረት ኣፍሪካን ዝኣመሰሉ ሙያዊ ወታደራዊ ትካላት እግሪ እግሮም ክስዕ ኣይኽእልን ዝብሉ ሽን ኣብ ናይ ቦምብ ዓርሰቕትለታውን ናይ ደባይን መጥቓዕትን ኣቶኲሩ ዝፈፀሞ መጥቓዕቲ ዓብዪ ናይ ዜና ኣርእስቲ ኣየርከበሉን ኢሎም።ኣስዒቦም ‘’ዓብዪ ኣርእስርቲ ከርክበሉ ዝክእል እንኮ መንገዲ ከምዚ ናይ ኬንያ ዝኣመሰለ ኣብ ልዕሊ ዘይተዓጠቑ ስቪላት ዘቶከረ መጥቓዕቲ እዩ።’’ኢሎም።

ኣል-ሸባብ ንጎረባብቲ ሃገራት ጠመተ ምሃቡ ኣብ ናይ ዌስት ጌት ናይ ዕዳጋ ማእኸል መጥቓዕቲ ውሽጣዊ ስርዒት ንኽረክብ እውን ዕድል ሂቡዎ እዩ።
ኣል-ሸባብ ኣብ ቀረባ ዓመታት መብዛሕቲኦም ካብ ድኻታትን ውሱን ዕድል ካብ ዘለዎምን ስድራታት 500 ኬንያዊያን መናእሰይ ከምዝመልመለ ሕቡራት መንግስታት ይግምት።
ኣብ ማእኸል ዕዳጋ ዌስትጌት ዝተፈፀመ ዝተዋደደን ዝዓበየን መጥቓዕቲ ንመብዛሕቲኦም ኬንያዊያን ዘደንገፀ ኮይኑ’ሎ።መንግስቲ ኬንያ እቲ ሃንደበታውን ዝተራቐቐን መጥቓዕቲ ናይ ዝተፈላለዩ ሃገራት ዜጋታት ብዝሓቖፈ ጉጅለ ሽብር እዩ ተፈፂሙ ኢሉ ይኣምን።
ናይ ኬንያ ፕሬዝዳንት ኡሁሩ ኬንያታ መንግስቶም ኣብ ውሽጢ ሃገር ይኹን ኣብ ወፃኢ ሃነቲ ጉጅለ ሃዲኑ ክሕዞም እዩ ኢሎም ኣለው።
XS
SM
MD
LG