ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣል-ሸባብ ፈፂመዮ ኣብ ዝበሎ መጥቃዕቲ ዩኒቨርስቲ ኬንያ 174 ሰባት ተቐቲሎም


መጥቃዕቲ ኣብ ዩኒቨርስቲ ጋሪሳ
መጥቃዕቲ ኣብ ዩኒቨርስቲ ጋሪሳ

ኣል-ሸባብ ነቲ ኣብ ሰሜን ምብራቅ ኬንያ ዝርከብ ሓደ ዩኒቨርስቲ ተፈፂሙ ን147 ሰባት ዝቀተለን ን79 ካልኦት ዘቁሰለን መጥቃዕቲ ሓላፍነት ወሲዱ።ሓይሊ ፀጥታ ኬንያ ን500 ተማሃሮ ካብ ኢድ’ቶም ዕጡቃት ኣድሒኖም ኣለው።ዛጊድ 160 ተማሃሮ ግና ሃለዋቶም ኣይተፈልጠን።

ድሕሪ’ቲ ጥቅዓት መደረ ዘስምዑ ፕረዚደንት ኡሁሩ ኬንያታ፣ኣብ ሓዘን ንዝርከቡ ስድራ-ቤታት ፅንዓት ይሃብኩም ምስበሉ፣

ዝተወግኡ ቅልጡፍ ምድሓን ንክረኽቡ፣ጅሆ ዝተታሓዙ ድማ ብደሓን ካብ ኢድ’ቶም ዕጡቃት ንክገላገሉ ንፅልይ ኣለና” ኢሎም።

ቪኦኤ ዝረኸብዎ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዩኒቨርስቲ ናይሮቢ ዝተበተነ ሚስጢራዊ ፅሑፍ፣ኣል-ሸባብ ኣብ ሓደ ዓብዪ ዩኒቨርስቲ ኬንያ መጥቃዕቲ ስለዝፍንው ተማሃሮ ተጠንቀቁ ከምዝብል ሪፖርተርና ይሕብር።ዩኒቨርስቲ ጋሪሳ ነቲ ፅሑፍ መጠንቀቂ ረኺብዎ እንተኾይኑ ግና ኣይተፈልጠን።

እዚ ከምዚ’ሉ ከሎ፣እቲ ኣብ ዩኒቨርስቲ ጋሪሳ ተፈፂሙ ንሞትን መቑሰልትን ብርክት ዝበሉ ሰባት ጠንቂ ኮይኑ ዘሎ ኣረመንያዊ መጥቃዕቲ ፈጠርቲ ራዕዲ ብፅኑዕ ከምትኹንን ኣሜሪካ ኣፍሊጣ።

ዋና ፀሓፊ ሕ/ሃ’ውን ነቲ ኣብ ዩኒቨርስቲ ኬንያ ብፈጠርቲ ራዕዲ ዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ኮኒኖምዎ።

ሕ/ሃ ኣብ ጎድኒ ህዝቢን መንግስቲን ከምኡውን ኣብ ጎድኒ ሃገራት’ቲ ዞባ እዩ ኢሎም ዋና ፀሓፊ ሕ/ሃ ሎሚ ኣብ ዝወፀ መግለፂ።

please wait

No media source currently available

0:00 0:04:16 0:00

XS
SM
MD
LG