ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኬንያ ኣብ 2008 ዝተፈፀመ ህውከት ዝተሳተፉ ናብ ፍርዲ ንክቐርቡ ተሓቲቱ

.
.
ናይ ኬንያ ስቪል ማሕበረሰብ ንሰላም፣ርትዕን ፍትሕን ዝተብሃለ ጉጅለ መንግስቲ ኬንያ ምርጫ ስዒቡ ኣብ 2008 ኣ/ፈ ኣብዝተልዓለ ህውከት ብቐጥታ ናይ ዝተሳተፉ ጉዳይ ዝርኢ ቤት ፍርዲ ከጣይሽ ‘’ምርግጋፅ ፍትሒ’’ ኣብ ትሕቲ ዝብል ዘውፅኦ ሪፖርት ፀዊዑ።

እቲ ሪፖርት ሎማዕንቲ ሓሙስ ኣብ ከተማ ናይሮቢ ዕላዊ ኣብዝኾነሉ ኬንያዊያን ንሰላም፣ርትዕን ፍትሕን ናይ ዝተብሃለ ጉጅለ ኣተሓባባሪ ካሮሌ ቲየሪ ኣብ 2008 ኣ/ፈ ኣብ ዝተፈፀመ ህውከት ብማእኸላይን ዝተሓተን ደረጃ ናይ ዝተሳተፉ ሰባት ጉዳይ ዝርኢ ናይ ከባቢ ቤት ፍርዲ ክጣየሽ ፀዊዐን።

እቶም ግዳያት ክርስዑ የብሎምን ዝበላ ቲየሪ መብዛሕቲኦም ነቲ ህውከት መን ከምዝፈፀሞን ኣብ ልዕሊኦም ዋላ ሓደ ስጉምቲ ከምዘይተወሰደ ይፍለጡ እዮም ኢለን።

ኣብ መወዳእታ 2007 ኣ/ፈ ፕሬዝዳንታዊ ምርጫ ስዒቡ ብዝተልዓለ ህውከት ልዕሊ ሓደ ሽሕ ሰባት ተቐቲሎም ልዕሊ ሽዱሽተ ምእቲ ሽሕ ድማ ካብ መንበሪኦም ተመዛቢሎም እዮም።
ክሳብ ሎሚ ሰለስተ ኬንያዊያን ማለት እውን ፕሬዝዳንት ኡሁሩ ኬንያታ፣ምኽትሎም ዊሊያም ሩቶን ኣሰናዳኢ ሬድዮ ዝነበረ ጃሽዋ ሳንግን ጥራሕ እዮም ኣብቲ ህውከት ኢድ ኣልዎም ተባሂሎም ተኸሲሶም ዘለው።ሰለስቲኦም ናብ ዓለምለኸ ቤት ፍርዲ ገበን ክቐርቡ እዮም።

ነቲ ህውከት ዝፈፀሙ ብኣማእቲ ዝቑፀሩ ሰባት ሎሚ’ውን ኣይተሓተቱን ይብላ ቲየሪ።
Rift Valley ኣብ ዝተብሃለ ከባቢ ኣብ መንጎ መናእሰይ ዓሌታት ካሌንጂንን ኪኩዩን ዝተኻየደ ግጭት ነይሩ እቲ ዝኸፍአ።ሎሚ ፖለቲካዊ ባይታ እታ ሃገር ተለዊጡ ዓሌት ኪኩዩ ፕሬዝዳንት ዓሌት ካሌንጂን ድማ ምኽትል ብምዃን ይመርሑ ኣለው።ናይ ኬንያ ስቪል ማሕበረሰብ ንሰላም፣ርትዕን ፍትሕን ዝተብሃለ ጉጅለ መንግስቲ ኬንያ ምርጫ ስዒቡ ኣብ 2008 ኣ/ፈ ኣብዝተልዓለ ህውከት ብቐጥታ ናይ ዝተሳተፉ ጉዳይ ዝርኢ ቤት ፍርዲ ከጣይሽ ‘’ምርግጋፅ ፍትሒ’’ ኣብ ትሕቲ ዝብል ዘውፅኦ ሪፖርት ፀዊዑ።

እቲ ሪፖርት ሎማዕንቲ ሓሙስ ኣብ ከተማ ናይሮቢ ዕላዊ ኣብዝኾነሉ ኬንያዊያን ንሰላም፣ርትዕን ፍትሕን ናይ ዝተብሃለ ጉጅለ ኣተሓባባሪ ካሮሌ ቲየሪ ኣብ 2008 ኣ/ፈ ኣብ ዝተፈፀመ ህውከት ብማእኸላይን ዝተሓተን ደረጃ ናይ ዝተሳተፉ ሰባት ጉዳይ ዝርኢ ናይ ከባቢ ቤት ፍርዲ ክጣየሽ ፀዊዐን።

እቶም ግዳያት ክርስዑ የብሎምን ዝበላ ቲየሪ መብዛሕቲኦም ነቲ ህውከት መን ከምዝፈፀሞን ኣብ ልዕሊኦም ዋላ ሓደ ስጉምቲ ከምዘይተወሰደ ይፍለጡ እዮም ኢለን።

ኣብ መወዳእታ 2007 ኣ/ፈ ፕሬዝዳንታዊ ምርጫ ስዒቡ ብዝተልዓለ ህውከት ልዕሊ ሓደ ሽሕ ሰባት ተቐቲሎም ልዕሊ ሽዱሽተ ምእቲ ሽሕ ድማ ካብ መንበሪኦም ተመዛቢሎም እዮም።
ክሳብ ሎሚ ሰለስተ ኬንያዊያን ማለት እውን ፕሬዝዳንት ኡሁሩ ኬንያታ፣ምኽትሎም ዊሊያም ሩቶን ኣሰናዳኢ ሬድዮ ዝነበረ ጃሽዋ ሳንግን ጥራሕ እዮም ኣብቲ ህውከት ኢድ ኣልዎም ተባሂሎም ተኸሲሶም ዘለው።ሰለስቲኦም ናብ ዓለምለኸ ቤት ፍርዲ ገበን ክቐርቡ እዮም።

ነቲ ህውከት ዝፈፀሙ ብኣማእቲ ዝቑፀሩ ሰባት ሎሚ’ውን ኣይተሓተቱን ይብላ ቲየሪ።
Rift Valley ኣብ ዝተብሃለ ከባቢ ኣብ መንጎ መናእሰይ ዓሌታት ካሌንጂንን ኪኩዩን ዝተኻየደ ግጭት ነይሩ እቲ ዝኸፍአ።ሎሚ ፖለቲካዊ ባይታ እታ ሃገር ተለዊጡ ዓሌት ኪኩዩ ፕሬዝዳንት ዓሌት ካሌንጂን ድማ ምኽትል ብምዃን ይመርሑ ኣለው።
XS
SM
MD
LG