ዋሽንግተን —
ሰበ-ስልጣን ኬንያ ነቲ ኣብ ደቡባዊ ክፋል’ታ ሃገር ካብ ሮኬት ዝወደቐ ክኸውን ይኽእል እዩ ዝተባህለ ሓጻዊን ኣብ ምጽራይ ከምዝርከቡ ገሊጾም።
ብመሰረት ትካል ህዋ ኬንያ ዝሃቦ መግለጺ እቲ ሓጺን 500 ኩንታል ዝክብደቱ 2.5 ሜትር ንውሓት ዘለዎ ከምዝኾነ’ውን ንምፍላጥ ተኻኢሉ ኣሎ።
መባእታዊ ሪፖርት እቲ ክቢ ቅርጺ ዝዓይነቱ ሓጺን፣ ካብ መንኮርኩር ዝወጽእን፣ ኣብ እዋን ናብ ከባቢ ምድሪ ምዕላብ ዝፍለ ወይካኣ ኣብ ሰብ ዘይነብረሉ ስፍራ ክዓልብ ዝግበርን ክኸውን ይኽእል እዩ ይብል።
ቅድሚ ክልተ ዓመታት ካብ ስፔስ ኤክስ መንኮርኩር ዝተፈለየ ሓጺን ኣብ ኣውስትራልያ ሕርሻ ኣባጊዕ ከምዝወደቀ ዝዝከር እዩ።
ብተመሳሳሊ ዜና፣ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ኣመሪካ ክፍለ ሃገር ፍሎሪዳ ትነብር ሓንቲ ስድራ ቤት፣ ሓጻዊን ሮኬታት ኣብ ሕዛእቱ ድሕሪ ምውዳቖም ንትካል ህዋ ኣመሪካ (ናሳ) ከምዝኸሰሰት ትካል ዜና ፈረንሳ ዘዳለዎ ሪፖርት ይሕብር።
ቅጥዒ