ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዓለምለኸ ቤት ፍርዲ ገበን ኬንያዊ ጋዜጠኛ ንኽእሰር ትእዛዝ ኣውፂኡ


ICC Prosecutor Fatou Bensouda is seen at a news conference before the trial of Kenya's Deputy President William Ruto in The Hague in this September 9, 2013 file photo.
ICC Prosecutor Fatou Bensouda is seen at a news conference before the trial of Kenya's Deputy President William Ruto in The Hague in this September 9, 2013 file photo.
ዓለምለኸ ቤት ፍርዲ ገበን/ ICC/ ኣንፃር ምኽትል ፕሬዝዳንት ኬንያ ዊሊያም ሩቶ ኮይኑ ንዝቐርብ ምስክር ጉቦ ንምሃብ ፈቲኑ ብዝብል ሓደ ጋዜጠኛ ዝነበረ ኬንያዊ ተኣሲሩ ንክቐርብ ትእዛዝ ኣውፂኡ።እቲ ትእዛዝ ኬንያ ምስ ICC ንምትሕብባር ቅርብቲ ድያ ኣይኮነትን ዘረጋግፅ እዩ ክኸውን ተባሂሉ’ሎ።

ዋና ዓቃቢ ሕጊ ዓለምለኸ ቤት ፍርዲ ገበን/ ICC/ ፋቶ ቤንሳውዳ ሎማዕንቲ ረቡዕ ኣብ ዝሃብኦ መግለፂ ኬንያ ንዋልተር ባራሳ ብዘይውዓል ሕደር ኣሲራ ኣብ ዘሄግ ናብ ዝርከብ ቤት ፍርዲ ንኽተቕርቦ ትእዛዝ በፂሑዋ’ሎ ኢለን።

ባራሳ ኣብ ልዕሊ እቶም ምኽትል ፕሬዝዳንት ንዝቐረበ ኽሲ ንምትዕንቕፍ ኣብ ልዕሊ መሰኻኽር ናይ ዝካየድ ኢድ ኣእታውነት ኣካል ሰፊሕ ሸርሒ ኣካል እዩ ኢለን።ብምስዓብ ‘’ዋልተር ባራሳ ኣካል እቲ መርበብ ምዃኑ ዘእምን መረዳእታ ተኣኪቡ’ሎ።’’

እቲ ናይ ማእሰርቲ ትእዛዝ ንኻልኦት እውን መጠንቀቕታ እዩ ኢለን።ባራሳ ገበነኛ ኮይኑ እንተድኣ ተረኺቡ ሓሙሽተ ዓመት ክፍረዶ ይኽእል።

ባራሳ ንቪኦኤ ኣብ ዝሃቦ ቃል ንዓርሰይ ክከላኸል እየ ኢሉ’ሎ።
እቲ ናይ ሎማዕንቲ ረቡዕ ትእዛዝ ዝወፅእ ዘሎ ፍርዲ ምኽትል ፕሬዝዳንት ሩቶ ዘሄግ ኣብ ዝርከብ ቤት ፍርዲ ሎማዕንቲ ዳግም ምርኣይ ኣብዝተጀመረሉ እዋን እዩ።

ኬንያ ንባራሳ ትኣስሮ ድያ ኣይትኣስሮን ንመንግስቲ ኬንያ ቁልፊ ፈተና እዩ ብመሰረት ኣፖሎ ቦያ ሓላፊ ማሕበረሰብ ሕጊ ኬንያ።እንተድኣ ዘይኣሲሮምዎ ንቕድሚት ኣብ ካልኦት ጉዳያት እውን ኣይክትሓባበሩን ማለት እዩ ተባሂሉ ክትርጎም ይኽእል እዩ ኢሎም ኣፖሎ።

ፕሬዝዳንት ኬንያታን ምኽትሎም ሩቶን ንትእዛዝ ICC ንምኽባር ቃል እንተኣተው እውን ኣብ ልዕሊኦም ዝቐረበ ኽሲ ውዱቕ ክኸውን ወይ ናብ ኬንያ ንኽመሓላለፍ ጎስጓስ እናካየዱ ይርከቡ።ሕብረት ኣፍሪካ እውን ደጊፉዎም ኣሎ።

ፕሬዝዳንት ኬንያታ ኣብ ዝቕፅል ወርሒ ሕዳር ናብቲ ቤት ፍርዲ ክቐርቡ እዮም።
XS
SM
MD
LG