ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ውሽጢ ገዛኢ ፓርቲ ኬንያ ወጥሪ ይንህር ኣሎ ተባሂሉ


ICC logo
ICC logo

ኣብ ውሽጢ ጥምረት ገዛኢ ፓርት ኬንያ ወጥሪ ይንህር ኣሎ ተባሂሉ።እቲ ኣብ መንጎ ደገፍቲ ፕሬዝዳንት ኡሁራ ኬንያታን ደገፍቲ ምኽትል ፕሬዝዳንት ዊሊያም ሩቶን ይፍጠር ዘሎ ወጥሪ ምኽንያት መሻርኽቲ ሩቶ ዓለምለኸ ቤት ፍርዲ ገበን ናትና ኢሎም ኣብ ልዕሊዝፀውዕዎም ሩቶ ብዘቕረቦ ኽሲ ፀረ ሰብኣውነት መንግስቲ ኣይደገፎምን ብዝብል እዩ።

ብመሰረት ማዕኸናት ዜና ኬንያ መራሕቲ ፖለቲካ ዞባ ሪፍት ቫሊ ንመራሒኦም ምኽትል ፕሬዝዳንት ዊሊያም ሩቶ ንምፅላይ ፅባሕ ቀዳመ-ሰንበት ክእከቡ እዮም።

እቲ ምትእኽኻብ ዓለምለኸ ቤት ፍርዲ ገበን ኣብ ልዕሊ ጉዳይ ሩቶ ናይ ዘሕለፎ ዳሕረዋይ ውሳነ ውፅኢት እዩ ይብሉ ገለ ተዓዘብቲ።ዓቀብቲ ሕጊ ቅድም ክብል ጌጋ ተባሂሉ ዝነበረ ቃል መሳኽኽር ዳግም ክጥቀምሉ ከምዝእኽሉ ዳኛ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ወሲኖም እዮም።

እቲ ውሳነ ምስክር ብምጥፋእ ንዝኽሰሱ ሩቶ ሽግር ከምፅኣሎም ይኽእል’ዩ።ንመንግስቲ ይመርሕ ኣብዘሎ ጁብሊ ጥምረት ፖለቲካዊ ፓርቲ እውን ፍሕፍሕ ክፈጥር ይኽእል እዩ ተባሂሉ’ሎ።

ዊልያም ሩቶ ኣብ ልዕሊኦም ንዝቐረበ ኽሲ ንኽውገድ የካይድዎ ዘለው ግጥም መንግስቲ ኣይደገፎምን ይብሉ ደገፍቲ ሩቶ።

ኬኒያዊ ፖለቲካዊ ፀሓፊ ባራክ ሙሉካ እዚ ፅባሕ ቀዳመ-ሰንበት ዝካየድ ኣኼባ ኣብ መንጎ ኣብ ሪፍት ቫሊ ዝርከቡ ዝተፈላለዩ ጉጅለ ዓሌታት ወጥሪ ክፈጥር እዩ ይብል።

ፕሬዝዳንት ኬንያታን ሩቶን ቅድሚ ሸውዓተ ዓመት ዝተኻየደ መረፃ ስዒቡ ንዝተልዓለ ህውከት ኣብ ምውዳድ ሓጊዞም ተባሂሎም ይኽሰሱ።በቲ ህውከት ልዕሊ 1,100 ሰባት ተቐቲሎምን 600 ሽሕ ካብ መንበሪኦም ተመዛቢሎም እዮም።ክልቲኦም ኣይውዓልናሉን ክብሉ ይኽእሕዱ።ክልቲኦም መራሕቲ ኣብቲ እዋን ህውከት ኣብ ተፃባእቲ ወገናት ዝተሰለፉ’ዃ እንተነበሩ ቅድሚ 2013 ኣ/ፈ ፕሬዝዳንታዊ መረፃ ግን ጥምረት ብምፍጣር ንICC ዝነፅግ ሓባራዊ መግለፂ ኣውፂኦም።

ዓቃቢ ሕጊ ICC ብቑዕ መርትዖ ኣይቀረበን ክብል ኣብ ልዕሊ ፕሬዝዳንት ኬንያት ዝቕረቡ ኽስታት ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ታሕሳስ ውዱቕ ገይሩዎ እዩ።

ሩቶ ጥፍኣተኛ እዮም እንተድኣ ተባሂሎም ንቶም ፕሬዝዳንትን እታ ሃገርን ኣብ ሓደገኛ ኩነታት ከእትዎም እዩ ይብሉ ሙሉካ።

ናይ ኬንያ ጠቕላሊ ዓቃቢ ሕጊ ንጋዜጣ Daily Nation ኣብ ዝሃብዎ ቃል መንግስቲ ንቶም ምኽትል ፕሬዝዳንት ንምሕጋዝ ዝክኣሎ ኩሉ እናገበረ እዩ ኢሎም ኣለው።

XS
SM
MD
LG