ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

'ሽሕ ሱማሊያዊያን ኣብ ኬንያ ብፖሊስ መግሃስቲ ተፈፂሙዎም' - ተሓላቒ መሰላት


Human rights watch logo
Human rights watch logo
ፖሊስ ኬንያ ኣብ ልዕሊ ሓደ ሽሕ ዓሌት ሱማሊያ መስቀይቲ፣ፆታዊ ዓመፅን ሃንደበታዊ ማእሰርትን ምፍፃሙ Human Rights Watch ዝተብሃለ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ኣፍሊጡ።እቲ መግሃስቲ ዝተፈፀመ መብዛሕቲኦም ሱማሊያዊያን ኣብ ዝነብርሉ ኽፋል ናይሮቢ ምስ ኣል-ሸባብ ርክብ ኣለዎም ተባሂሎም ዝጥርጠሩ ናዕበኛታት ናይ ቦብም መጥቓዕቲ ምስ ፈፀሙ እዩ።

እቲ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ሽብር ኢሉ ዝፀውዖ ኣብ ናይ ናይሮቢ ኢስትለይን ኣብ ዝተብሃለ ከባቢ ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ሕዳር ክሳብ ጥሪ ን70 ማዕልታት መግሃስቲ ምፍፃሙ ሓቢሩ።
ብዘይካ እቲ ምንክልባት ሰበስልጣን ኬንያ ንሱማሊያዊያን ስደተኛታት ብሓይሊ ናብ ሰሜን ምብራቕ ኬንያ ከምዘዘዋወርዎም ሓቢሮም።

ትማሊ ሰሉስ ንጋዜጠኛታት መግለፂ ዝሃቡ ኣብ ስደተኛታት መፅናዕቲ ዝገብሩ ላዕለዋይ ክኢላ እቲ ጉጅለ ጌሪ ሲምፕሰን ፖሊስ ኬንያ ንቶም ግዳያት ኣሸበርቲ ኢሉ ብምፅዋዕ ገንዘቦም ከምዝዘርፉዎም ይግለፁ።

ወሃቢ ቃል ፖሊስ ኬንያ ማሱድ ዊኒዪ ፖሊስ ስርሑ ኣብ ዝፍፀመሉ እዋን ኩልሻዕ መረረ ክህሊ እዩ ኢሎም።ገለ ፖሊሳት ኣብ ጉዳይ ፀጥታ ክሰርሑ እንተለው ንሕግታት ጥሒሶም ክኾኑ ይኽእሉ እዮም ኢሎም።

ህይውማን ራይትስ ዎች ን101 ሰባት ከምዘዘራረበን እቶም 96 ሕጋዊ ሰነድ ዘለዎም ስደተኛታት እቶም ዝተረፉ ድማ ሱማሊያዊያን ዜጋታት ኬንያ ምዃኖም ይገልፅ።

ኣብ ልዕሊ እቶም ነበርቲ ብፖሊስ ዝፍፀም መግሃስቲ ዋላ ሓደ ጠጠው ዘበሎ ሰብ ዘይምንባሩ እዩ እቲ ዝገርም ኢሎም ገሪ ስምፒሰን።ናይ ሕቡራት መንግስታት ትካል ስደተኛታት ኣብ ኬንያ ዝፍፀም መግሃስቲ ሰኒዱ ሪፖርት ንኽገብር ህይወማን ራይትስ ዎች ፀዊዑ’ሎ።

መንግስቲ ኬንያ ኣብ ልዕሊ ሓልታት ፀጥትኡ ዝቐርቡ ክስታት ከፃሪዮም እየ ኢሉ ብተደጋጋሚ ቃል እንተኣተወ እውን ዛጊድ ስጉምቲ ኣይወሰደን ብመሰረት እቲ ጉጅለ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት።
XS
SM
MD
LG