ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኬንያ - መራሕቲ ኣፍሪቃ ዝርከብሉ ልዝብ ሰላም ደቡብ ሱዳን ትእንግድ 


መራሕቲ ኣፍሪቃ ነቲ ንቑጠባ ደቡብ ሱዳን ንሓያሎ ዓመታት ዘዳኸመ ግጭት ንከብቅዕ ዝፅውዕ ልዝብ ሰላም ትማሊ ሓሙስ 9 ግንቦት 2014 ኣብ ኬንያ የካይዱ ኣለው።

ኣብቲ ልዝብ ዝተረኸቡ ፕረዚደንት ደቡብ ሱዳን ሳልቫ ኪር ነዚ ልዝብ ብምእንጋዶም ንፕረዚደንት ዊሊያም ሩቶ ኣመስጊኖም። ኪር መንግስቶም ብቅንዕናን ክፉት ኣእምሮን ነቲ ልዝብ ከምዘካይድ ድማ ሓቢሮም።

ኪር ብምስዓብ ምሉእ ብምሉእ ግብራዊ እንተኾይኑ ኣብቲ ዞባ ዘላቒ ምርግጋእን ሰላም ደቡብ ሱዳን ዘምፅእን ስለዝኾነ ተቓወምቲ ጉጅለታት እውን ተመሳሳሊ ድልውነትን ድልየትን ክህልዎም ተስፍኦም ገሊፆም።

እቲ ልዝብ ኣካል እቲ ንልዕሊ 400,000 ሰባት ዝቐተለ ንሓሙሽተ ዓመታት ዝተኻየደን ኲናት ሕ-ድ ሕድ ከብቅዕ ዝገበረ ኣብ መንጎ መንግስትን ተቓወምቲ ተዋጋእቲ ጉጅለታትን ኣብ 2018 ዝተፈረመ ስምምዕ እዩ።

እቲ ንዋዕላ ሕርሻ ሕብረት ኣፍሪቃ ስዒቡ ዝተኻየደ ልዝብ ፕረዚደንትታት ማላዊ፣ ዛምቢያ፣ ናሚቢያን ማእኸላይ ኣፍሪቃን ተሳቲፎም ኣለው።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG