ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዝለዓለ ትጽቢት ዝተገብረሉ ምርጫ ኬንያ ጽባሕ ክካየድ'ዩ


ኬንያ፡ ዝለዓለ ትፅቢት ዝተገብረሉ ሃገራዊ ምርጫ ፅባሕ ክተካይድ እያ።ቀንዲ ተወዳደርቲ ፕረዝደንት ኡሁሩ ኬንያታን ናይ ነዊሕ እዋን ተቐናቓኒኦም ራይላ ኦዲንጋን እዮም።

ኣብ መንጎ ፕረዝደንት ኡሁሩ ኬንያታን መራሒ ተቓዋሚ ራይላ ኦዲንጋን ዝካየድ ንሕንሕ ተቐራራቢ ክኸውን ይግመት።እቶም ሕፁያት ናይ 2013 ዓ.ም ምርጫ ካብ ዝካየድ ጀሚሩ ወፍሪ ደው ከምዘየበሉን ነንሕድሕዶም ካብ ምዝልላፍ ዓዲ ከምዘይውዓሉን ፖለቲካዊ ተንተንታኒ ባራክ ሙሉካ ይገልፅ።

ተንታኒ ቶም ዎልፍ ብወገኑ ኣብዚ ናይ ሎሚ ዘበን ምርጫ ልዕሊ ናይ 2013 ዓ.ም ኣብ 47 ከባቢያዊ ምምሕዳራት ዝካየድ ንሕንሕ ክንድቲ ፕረዝደንታዊ ምርጫ ምውዕዋዕ ዝፈጠረ እዩ ይብል።

እቲ ምርጫ ንልዕሊ ሓደ ዓመት ምንጪ ወጥሪ ብምዃን ናይ ተቓውሞ ሰልፍታትን ኣብ ኣብያተ ፍርዲ ድማ ብዙሓት ክርክራት ኣልዒሉ እዩ ፀኒሑ።

ኣብ ቀረባ እዋን ተሳቒዩ ዝተቐትለ ናይ ኬንያ ኮሚሽን ምርጫ ሓላፊ ቴክኖሎጂ ዝነበረ ክሪስ ሳንዶ ነቲ ኩነታት ኣተሓላሊኹዎ እዩ።ምክሳሳት እውን ኣይተፈለዮን።29 ሓምለ 2017 ዓ.ም መንበሪ ገዛ ምኽትል ፕረዝደንት ናይታ ሃገር ከምዝተሰበረ ዝተገልፀ ክኸውን ከሎ ዝሓለፈ ዓርቢ ኸኣ ናይ ስቪል ኽዳን ዝተኸድኑ ሰባት ካብ ኣብያተ ፅሕፈታቱ ንሓዲኡ ብምውራር ንኽልተ ኣማኸርቱ ኣሜሪካዊን ካናዳዊን ካብ መንበሪ ገዝኦም ከምዝወሰዱዎምን ተቓዋሚ ፓርቲ ከሲሱ’ሎ።ክልቲኦም ብቕድሚ ትማሊ ቀዳም ካብታ ሃገር ተባሪሮም ኣለው።

ናይ ሓሶት ዜና እውን ካልእ ፀገም እዩ።ገሊኦም ድምፂ ንምሃብ ካልኦት ኸኣ ብስግኣት ዕግርግር ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ጀሚሩ ሰባት ካብ ናይሮቢን ካልኦት ከተማታትን እናለቐቑ ናብ ትውልዲ ዓዶም ይኸዱ ከምዘለው ተፈሊጡ’ሎ።

ኣብ ኬንያ ወኪል ኣገልግሎት ካቶሊካዊ ረድኤት ሌን ባንከርስ ኬንያዊያን ኣብዚ ናይ ሎሚ ምርጫ ካልእ ፈተና እውን ከምዘጋጠሞም ይገልፁ።ብሰንኪ ኣብቲ ዞባ ዘጋጠመ ድርቂ ኬንያዊያን ብሕፅረት መግብን ናህሪ ዋጋ መግብን ይሳቐዩ ኣለው።

“ህዝቢ ናይዛ ሃገር ከበድቲ ፈተናታት ኣጋጢሞምዋ ኣሎ።ካብዚ ናይ ሎሚ ምርጫ ስርሖም ብዝግባእ ዝፍፅሙ፣ንዝመረፆም ህዝቢ ዘገልግሉን ዝሰርሑን ፖለቲካዊ መራሕቲ ክኾኑ ተስፋ እገብር።”

ዝሓለፈ ዓርቢ መንእሰያት ናብ ጎደና ኤልዶረት ብምውሓዝ ሰላማዊ ሰልፊ አካይዶም ኣለው።ናይ ኬንያ ዞባ ሪፍት ቫሊ ማእኸል ህውከትን ናዕብን 2007ን 2008 ዓ.ም ነይሩ።በቲ ህውከት ልዕሊ ሓደ ሽሕ ሰብ ሞይቱ ልዕሊ ፍርቂ ሚሊዮን ድማ ተመዛቢሉ።ኬንያዊያን እዚ ናይ ሎሚ ምርጫ ካብ ህውከት ዝረሓቐ ክኸውን ተስፋ ኣለዎም።

እዚ ከምዚ ኢሉ ኸሎ ቀይሕ መስቀል ኡጋንዳ ምርጫ ስዒቡ ህውከት ከይልዓል ብምስጋእ ናብ ኡጋንዳ ንዝኣተው ኬንያዊያን ምምዝጋብ ምጅማሩ ኣፍሊጡ’ሎ።

ንደሕንነቶም ብምስጋእ ዶብ ዝሰገሩ ኬንያዊን ከምዘለው ዝገለፀ ቀይሕ መስቀል ኡጋንዳ ኣብ ዶብ ኣብ ዝርከባ ከተማታት ቡሲያን ቶሮሮን ሰባት ዝዓርፍሎም ቦታታት ንምስራሕ መደብ ከምዘለዎ ገሊፁ’ሎ።

ዳይረክተር ኣተሓሕዛ ስግኣት ሓደጋ ቦብ ኣካንክዋሳ ብዛዕባ እዚ ክገልፁ ከለው ከምዚ ኢሎም።

“ኣስታት ክልተ ሚእቲ ሰባት ክኣተው ሪኢና ኣለና።ሓቀኛ ዜግነቶምን ናበይ ይኸዱ ከምዘለውን ገና ኣየረጋገፅናዮን ዘለና።ንናይ ባዕሎም ኩነታት ክኣልዩ ናይ ዝኽእሉ ሰባት ምንቅስቓስ ግን ኣሎ።ብዙሕ ሓገዝ ዘድልዮም ሰባት ኣይርኣናን ዘለና።”

ቀይሕ መስቀል ኡጋንዳ ን10 ስድራታት ይሕግዝ ከምዘሎን እቲ ምርጫ ምስሓለፈ ተወሳኺ ሰባት ትፅቢት ከምዝገብርን ገሊፁ’ሎ።ኣብ ቡሲያን ማላባን ናይ ምድላው ምንቅስቓሳት ከምዘሎ ኣካንክዋሳ ሓቢሮም ኣለው።

ምሉእ ትሕዝቶ አብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ዝለዓለ ትጽቢት ዝተገብረሉ ምርጫ ኬንያ ጽባሕ ክካየድ'ዩ
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:59 0:00

XS
SM
MD
LG