ዋሽንግተን —
ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ኬንያ ዝተወለዐ ሞት ዘስዓበን ተቓውሞ ጸረ ምውሳኽ ግብሪ ፣ ሎሚ ሰሉስ ደጊስዎ፣ ፖሊስ ናብ አድማ ንዝወጹ መንእሰያት ንምብታን ዘንብዕ ጋዝ ተዅሱ።
እቶም ተቃወምቲ ኣብ ልዕሊ ፕረዚደንት ዊልያም ሩቶ ዝጀመርዎ ጸቅጢ ኣሓይሎም ኣለው። እቶም ፕረዚደንት፣ ነቲ ተዳልዩ ዝነበረ ንድፊ ምውሳኽ ግብሪ አይፍርመሉን እየ ከምዝበሉ ዝዝከር እዩ። ንተቃወምቲ ድማ ‘ከሓድቲ’ ኢሎም ከምዝገልጽዎም እቲ ዜና ይሕብር።
ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኬንያ ዛጊድ 39 ሰባት ከምዝሞቱን 361 ሰባት ድማ ከምዝቆሰሉን፣ ኣብ ልዕሊ ተቃወምቲ ዝተወስደ ስጉምቲ፣ ልዕሊ ዓቀንን ዘይመጣጠንን ምኳኑን ኣፍሊጡ ኣሎ።
ቅጥዒ