ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ንውዲት ጉጅለ ጥፍኣት ኣምኪነ ይብል ፖሊስ ኬንያ


Anthrax
Anthrax

ምስ ዳዕሽ ምትእስሳር ብዘለዎም ሰባት ንዝተዋደደ መጥቃዕቲ ግብረ-ሸበራ ከምዘፍሸለ ፖሊስ ኬንያ ኣፍሊጡ። እቲ ጉጅለ ኣብ ልዕሊ ኬንያዊያን መጠነ ሰፊሕ መጥቃዕቲ ንምፍፃም ይቀራረብ ነይሩ’ውን ይብል እቲ መግለፂ።

ኣብ መርበብ ሽብር ምብራቅ ኣፍሪቃ ተሓቒፎም’ዮም ንዝተባሉ ሓደ ተማሃሪ ሕክምና፣ ባዓልቲ ቤቱን መሓዛኣን ከምዝኣሰረ ፖሊስ ኬንያ ገሊፁ’ሎ። ካልኦት ኣዕርኽቱ ተማሃሮ ሕክምና ከምዝተሰወሩ’ውን እቲ ዜና ሓቢሩ።

ኣብ ምብራቅ ኣፍሪቃ ተንታኒ ፀጥታዊ ጉዳያት ጂኦርጅ ሙሳማሊ’ኣብ ምትእኽኻብ ስለያዊ ሓበሬታ ብቅዓትና ዘሐየልና ኮይኑ’ዩ ዝስማዓኒ። ምኽንያቱ፣ ትካላት ስለያ ኬንያ ኣዝዩ ኣገዳሲ ስራሕ’ዮም ፍፂሞም’ ኢሉ።

ብመሰረት ሓበሬታ ፖሊስ፣ እቲ ሸበራዊ መጥቃዕቲ ኣንትራክስ ንዝተባሃለ በካሊ ባክተርያ ንምጥቃም’ውን ዝዓለመ’ዩ ነይሩ። ማዕረ ኣል-ሸባብ ቅድሚ 3 ዓመት ዝፈፀሞ መጥቃዕቲ ዌስትጌት ክኾን ከምዝኽእል’ውን ተኣሚኑ ነይሩ። ቆፀራ መጥቃዕቲ ቅድሚ 6 መዓልታት ተወሲኑ ነይሩ።

ዳዕሽ /እስላማዊ መንግስቲ/ ምስ’ቶም ጥርጡራት ምትእስሳሩ ግና ተወሳኺ ርእሲ ሕማም’ዩ ይብል። ዳዕሽ ኣብ ምብራቅን ማእከላይን ኣፍሪቃ ክንቀሳቀስ ከምዝደሊ ሓባሪ’ዩ’ውን ይብል ጂኦርጅ ሙሳማሊ። እዚ’ውን’ዩ ከጨንቀና ዝግባእ’ውን በለ።

ኣብ ምትሓዝ እቶም ዝተሰወሩ ኬንያዊያን ንዝተሓጋገዘ ሰብ ዐዕስራ ሽሕ ዶላር ክሽልም’የ ኢሉ’ሎ መንግስቲ ኬንያ።

XS
SM
MD
LG