ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኬንያ: ዝተቐብረ ነታጒ ብምትኳሱ ሸሞንተ ሰባት ሞይቶም


ላሙ
ላሙ

ሎሚ ሶሉስ ኣብ ዶብ ሶማልን ኬንያን ሓንቲ ናይ ጽዕነት መኪና ንዝተቐብረ ነታጉ ረጊጻ ብምግልባጣ ሸሞንተ ሰባት ከምዝሞቱ ፖሊስ ኬንያ ኣፍሊጡ።

ካብቶም ዝሞቱ ኣርባዕተ መኮንናት ፖሊሲ ኣርባዕተ ድማ ህጻናትን ክኾኑ ኸለው ነቲ ነታጉ ዝተቐበረሉ ኣብ ዞባ ላሙ ምኳኑ ፖሊስ ኣፍሊጡ’ሎ። እቶም ህጻናት ድሕሪ ዒድ ኣልፈጠር ናብ ቤት ትምህርቶም ዝምለሱ ዝነበሩምንባሮም’ውን ተፈሊጡ’ሎ።

ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ኬንያ ከምዚ ዓይነት መጥቓዕቲ ከጋጥም ኣብ ውሽጢ’ዚ ወርሒ ንካልኣይ ጊዜ’ዩ።

ነቲ መጥቓዕቲ ሓላፍነት ዝወሰደ አካል የለን።

XS
SM
MD
LG