ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዘረጋግእ ሓይሊ ናብ ደቡብ ሱዳን ብህፁፅ ክልኣኽ ቀዳማይ ምንስቴር ኢትዮጵያ ፀዊዖም


ቀዳማይ ምንስቴር ኢትዮጵያ ደቡብ ሱዳና ናብ ደንበ ዝፈሸላ ሃገራት ከይትሕወስ ናይቲ ዞባ ሓይሊ ናብታ ሃገር ብህፁፅ ምልኣኽ ኣገዳሲ እዩ ኢሎም።

ናይ ኬንያ ፕሬዝዳንት ኡሁሩ ኬንያታ ሎማዕንቲ ሰሉስ ኣብ ኢትዮጵያ ፈላማይ መንግስታዊ ዑደት ኣብ ጀመርሉ እዋን ዝርርብ ካብዝተገበረሎም ቀንዲ ነጥብታት ደቡብ ሱዳንን ዞባዊ ምርግጋእን እዮም።

ቀዳማይ ምንስቴር ኢትዮጵያ ሃይለማሪያም ደሳለኝ ነቲ ዞባ ዘርጋግእን ዝሕሉን ሓይሊ ናብ ደቡብ ሱዳን ምልኣኽ ውዓል ሕደር ዘየድልዮ እዩ ኢሎም።

ኣብ ዞባና ካልእቲ ዝፈሸለት ሃገር ክንርኢ ኣይንደልን ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ምንስቴር ኣስዒቦም ‘’ስለዚ ማሕበረሰብ ዓለም ነዛ ሃገር ንኽነድሕና ንሕቶና ህፁፅ ምላሽ ክህብ ንፅውዕ ኣለና’’ኢሎም።
ከም ኬንያ፣ኢትዮጵያ፣ሩዋንዳ፣ጅቡቲን ብሩንዱን ዝበላ ብርክት ዝበላ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪካ ናብ ደቡብ ሱዳን ወታደራት ንምልኣኽ ድልየት ኣርእየን ኣለዋ።

ንሰለስተ ኣዋርሕ ብዝተኻየደ ውግእ ኣሽሓት ሰባት ተቐቲሎም ናብ ሓደ ሚሊዮን ዝፅጋዕ ህዝቢ ድማ ካብ መንበሪኡ ተመዛቢሉ’ሎ።

ደንበር ቀርኒ ኣፍሪካ ዝኾነ ኢጋድ ኣብ መንጎ መንግስትን ሓይልታት ዓመፅትን ዕርቂ ዘተ ሰላም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከካይድ ፀኒሑ እዩ።ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥሪ ውዕል ምቁራፅ ተፃብኦ ዋላ እንተተፈራረሙ እውን እቲ ዕርቂ ምዕባለ ከየርአየ ውግእ ቀፂሉ’ሎ።

መራሕቲ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪካ እቲ ዘረጋግእን ዝከለኸልን ሓይሊ ብዛዕባ ዝጣየሸሉ ዝርዝር ትልሚ ንምውፃእ ድሕሪ ፅባሕ ሓሙስ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከራኸቡ እዮም።

መራሕቲ ኬንያን ኢትዮጵያን ብዛዕባ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ታሕሳስ ብመንግስቲ ደቡብ ሱዳን ኣብ ቀይዲ ዝወዓሉ 11 ፖለቲካዊ እሱራት እውን ክዘራረቡ እዮም።እቶም ዓማፂያን ኩሎም ዓሰርተሓዲኦም ክፍትሑ ይደልዩ።

መንግስቲ ደቡብ ሱዳን ተኣሲሮም ንዝነበሩ ሸውዓተ ሰበስልጣን ነበር ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ንናይ ኬንያ ፕሬዝዳንት ኣረኪቦምዎ።እቶም ኣርባዕተ ግን ሕዚ እውን ተኣሲሮም ይርከቡ፤ናብ ቤት ፍርዲ ደቡብ ሱዳን ክቐርቡ እዮም።

ናይ ኬንያ ፕሬዝዳንት ኡሁሩ ኬንያታ ጉዳይ ዝተረፉ ኣርባዕተ ሰባት እቲ ቅልውላው ንምፍታሕ ቁልፊ እዩ ይብሉ።

ፕሬዝዳንት ኬንያታ ዝቕፅል ሓሙስ ጉባኤ ኢጋድ ክሳብ ዝጅምር ኣብ ኢትዮጵያ ክፀንሑ እዮም።
XS
SM
MD
LG