ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ምንስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ኣንቶኒ ብሊንከር ናብ ኬኒያ ተጓዒዞም


US Secretary of State Anthony Blinken
US Secretary of State Anthony Blinken

ናይ ኣሜሪካ ምንስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣንቶኒ ብሊንከን ኣብ ሰለስተ ሃገራት ኣፍሪካ ንምብፃሕ ሎማዕንቲ ሶኑይ ናብ ኬኒያ ተጓዒዞም።ብሊንከን ብዛዕባ ኣብታ ሃገር ይካየድ ዘሎ ኵናት ንምዝታይ ካብ ዝገሽሉ ኢትዮጵያ ምስ ዝተመለሱ ፕሬዝዳንት ኬኒያታ ክራኸቡ እዮም።

ምንስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣንቶኒ ብሊንከን ምስ ፕሬዝዳንት ኡሁሩ ኬኒያታ ብምርኻብ ብዛዕባ ዞባዊ ፖለቲካውን ፀጥታውን ኩነታት ምብራቕ ኣፍሪካ ክዝትዩ እዮም።ኣብ ዩኒቨርስቲ ናይሮቢ ክኢላ ዲፕሎማስን ዓለምለኸ ርክባትን ፕሮፌሰር ቻቻ ኒያጎቲ ናይ ብሊንከን ዑደት ዝሕብሮ ናይቲ ዞባ ምርግጋእ ኣዚዩ ኣገዳሲ ምዃኑ እዩ ኢሎም።

ኣብ ኢትዮጵያ ኵናት ብዝገደደ ምቕፃሉ ዕልዋ መንግስቲን ዘይርምግ ጋእን ከይፍጠር ስግኣት ልዕል ክብል ገይሩ ኣሎ።

ኬኒያ ቶኽሲ ጠጠው ክብል ክተድፍእ ፀኒሓ እያ።ትማሊ ሰንበት እውን ምስ ቀዳማይ ምንስቴር ኣብይን ፕሬዝዳንት ሳህለወርቅ ዘውዴን ተራኺቦም ብዛዕባ ጉዳያት ፀጥታ ዘትዮም ኣለው።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን መንግስቲ ኣሜሪካ ነቲ ኵናት ተቓውምኡ ንምርኣይ ኣብ ልዕሊ ናይ ኤርትራ ወታደራዊ ሓይሊ፣ ሰበስልጣንን ናይ ንግዲ ትካላትን እገዳ ኣንቢሩ ኣሎ።

ብሊንከን ድሕሪ ናይ ኬኒያ መገሽኦም ናብ ናይጀሪያን ሰኔጋልን ክጉዓዙ እዮም።

መራሕቲ ትግራይ ንቀዳማይ ምንስቴር ኣብይ ካብ ስልጣን ንምውራድ ድፍኢቶም ኣብ ዝቐፀልሉን ዝኾነ ይኹን ድርድር ቅድሚ ምጅማሩ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣፍልጦ ክወሃቦ ይሓትት ኣብዘለሉን ተዋጋእቲ ወገናት ኣብ ውሽጢ እቲ ቅልውላው ምጥሓሎም ቀፂሎም ኣለው።

XS
SM
MD
LG