ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮጵያን ኬንያን ንቑጠባን ጸጥታን ዞባ ሓባራዊ ዶብ ተሰማሚዔን


መራሕቲ ኢትዮጵያን ኬንያን ንክልተኣዊ ውዕላት ፈሪሞም
መራሕቲ ኢትዮጵያን ኬንያን ንክልተኣዊ ውዕላት ፈሪሞም

ኢትዮጵያን ኬንያን ኣብ ዶባዊት ከተማ ሞያሌ፣ ንውዕላት ቁጠባን ፀጥታን ዝኣሰረ ሰነድ ተፈራሪመን።

ክልቲኤን ሃገራት 200 ሚልዮን ዶላር ንዝተመደበሉን ኣብ ዝቅፅላ 5 ዓመታት ዝትግበርን መደባት ዝሓዘ ዝፈረማ፣ ቀ/ሚ ኃይለማርያም ደሳለኝን ፕረዚደንት ኡሁሩ ኬንያታን ኣብ ዝተረኸብሉ ስነ-ስርዓት’ዩ።

እቲ ስምምዕነት ኣብ ዶብ ክልቲኤን ሃገራት ንዝኽሰት ፀገማት ፀጥታ ፍታሕ ከርክብ’ዩ ዝብል ትፅቢት ኣሎ።

ኣብ ኬንያ ወካሊት ፕሮግራም ምዕባለ ሕ/ሃ ወ/ሪት ዮርዳኖስ በቀለ ብወገነን ‘ንሞያሌ ናብ ዱባይ ክንልውጣ ኢና ዝብል ቃናን ተስፋን’ ዘለዎ መደረ ኣስሚዔን።

ዴይልይ ኔሽን ‘ሰራዊት ኢትዮጵያ ን3 ኬንያዊያን ቀቲሎም ድሕሪ ኢሉ ምፅብፃቡ፣ መንግስቲ ኬንያ ሰራዊት ናብ’ቲ ከባቢ ከምዘዋፈረን ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ተቃውሞ ከምዘቃለሐን ዝዝከር’ዩ።

XS
SM
MD
LG