ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኤርትራ ናብ ኣል-ሸባብ ኣፅዋራት ብነፋሪት ኣየቐበለትን ኢሎም ኣምባሳደር በየነ ርእሶም


ንመግለፂ ምኒስትር ወፃኢ ኬንያ ዝተባሃለ'ውን መልሲ ሂቦም

ኤርትራ ናብ ኣል-ሸባብ ብነፈርቲ ኣፅዋር ኣቀቢላ ዝብል ዘይተረጋገፀ ሓበሬታ ዝሓለፈ ሰሙን ከምዝተፈነወ ዝዝከር‘ዩ።ብመሰረት‘ዚ ምንስቲር ወፃኢ ኬንያ ንኣብ ኬንያ ኣምባሳደር ኤርትራ ፀዊዖም ከምዘዘራረቡ‘ውን ተገሊፁ ነይሩ።ተወሳኺ መብርሂ ንምርካብ በትረ ስልጣን ንኣምባሳደር በየነ ርእሶም ኣዘራሪቡ ዘዳለዎ ሪፖርት ኣሎ።

ኣምባሳደር በየነ ኣብ ዘረብኡ፣ምንስቲር ወፃኢ ኬንያ ሞሰስ ዋታንጉላ ኤርትራ ብዛዕባ‘ቲ ዝዝረበሉ ዘሎ ፅዕነት ኣፅዋር ናብ ኣል-ሸባብ ዘእምን መልሲ እንተዘይሂባትሉ ንዘሎ ዲፕሎማስያዊ ርክብ ዳግም ክንግምሞን ክሳብ ምቁራፅ ዲፕሎማስያዊ ርክብ ክንበፅሕ ንኽእል ኢና ኣይበሉን ይብል።

ብዘይካ‘ዚ ከም ኤርትራ ዝኣምሰላ ሃገራት፣ነቲ ብዝረቀቀ ሳተላይት ሓለዋ ዝግበረሉ ዞባ ብስውር ሓሊፋ ናብ ሶማልያ ብነፋሪት ክተስግር ዓቅሚ የብላን ይብል።

ናይ‘ቲ ንሱ ”ጠቀነ” ዝበሎ ክሲ መንግስቲ ኬንያ ድማ ኢትዮዽያ ምኻና ይገልፅ።

XS
SM
MD
LG