ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መንግስቲ ኬንያ ኣብ ልዕሊ ክልተ ነፃ ማዕኸናት ቴሌቪዥን ኣንቢሮምዎ ዝነበሩ እገዳ ኣልዒሎም


ሰበስልጣን ኬንያ ኣብ ልዕሊ ክልተ ነፃ ማዕኸናት ቴሌቪዥን ኣንቢሮምዎ ዝነበሩ እገዳ ኣልዒሎም።እቲ ናይ እገዳ ውሳነ መራሒ ተቓዋሚ ፓርቲ ራይላ ኦዲንጋ ኣብ ዝሓለፈ ሶሉስ ንባዕሎም ፕረዚዳንት ገይሮም ቃለ መሓላ ኣብ ዝፈፀምሉ እዋን ቀጥታዊ ፈነወ ከየመሓላልፋ ንምኽልካል እዩ።ሳልሰይቲ መደብር ቴሌቪዥን ግን ክሳብ ሎሚ ተዓጽያ ከምዘላ ተሓቢሩ’ሎ።

ሰልፈኛታት ኣብ ግዜ መግዛእቲ ዝተፈፀሙ መግሃስትታት ንምዝካር ኣብ ዝተሰርሐ ሓውልቲ ‘’ፍሪደም ኮርነር’’ ሎሚ ተቓውሞ ኣስሚዖም ኣለው።ዳይረክተር ሃገራዊ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኬንያ ጆርጅ ኮጎሮ ብዛዕባ’ዚ ከምዚ ይብሉ።

“እዚ ሓውልቲ እዚ ኬንያዊያን ኩሉ ጊዜ ኣንፃር ዓፈናን ውልቀ መላኺነትን ከምዝቃለሱ መንግስቲ ኬንያ ክፈልጥ ከምዘለዎ ንምዝኽኻር ኢና ኣብዚ ንርከብ ዘለና።"


መንግስቲ ንናይታ ሃገር ሰለስተ ዓበይቲ መደብራት ቴሌቪዥን ዝዓፀወ ንስነስርዓት ቃለ ፕረዚዳንታዊ ቃለ መሓላ ራይላ ኦዲንጋ ንምኽልካል እዩ።

ኦዲንጋ እዚ ኣምራዊ ቃለ መሓላ ‘’ናይ ህዝቢ ፕረዚደንት’’ ኢሎም ቃለ መሓላ ምስ ፈፀሙ መንግስቲ ኬንያ ናሽናል ረዚስታንስ ሙቭመንት ንዝተባህለ ሃገራዊ ምንቅስቓስ ገበነኛ ውድብ ክብል ገሊፁዎ ነይሩ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG