ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሰለስተ አባላት ኮሚሽን ምርጫ ኬንያ መዝነቶም ለቒቖም


መዝነቶም ዝለቀቑ አባላት ምርጫ ቦርድ ኬን ያ
መዝነቶም ዝለቀቑ አባላት ምርጫ ቦርድ ኬን ያ

ሰለስተ አባላት ኮሚሽን ምርጫ ኬንያ ካብ ሓላፍነቶም ከምዝወርዱ ሎሚ ገሊፆም።እቶም ኮሚሽነራት ነዚ ዝወሰኑ ምርጫ ቦርድ ተኣማንነት ጎዲሉዎ’ሎ ብዝብል እዩ።ኣብ ቀረባ ፈፃሚ ስራሕ ቦርድ ምርጫ ኬንያ ኢዝራ ቸሎባ ካብ ስርሖም ዝተኣገድሉ ኣግባብ ዘይምዃኑን እቶም ተሰናበቲ ኣብ መግለፂኦም ሓቢሮም።

ሓላፍነቶም ዝለቐቑ ምክትል ኮሚሽነር ኮኒ ንጋታ ማይና፣ማርጋሪት ምዋቻኛን ፖል ኩርጋት ክኾኑ ከለው ኣብዚ ሕጂ እዋን ነቲ ቦርድ ምርጫ ዝመርሑ ዘለው ዋፉላ ቸቡካቲ ነቲ ኮሚሽን ክመርሑ ብቕዓት የብሎምን ክብሉ ነቒፎምዎም።ኣብ ውሽጢ እቲ ኮሚሽን ምክፍፋል ከምዘሎ እቶም ኮሚሽነራት ሓቢሮም ኣለው ።

XS
SM
MD
LG