ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ተማሃሮ ዩኒቨርሲቲታት ኬንያ ንሰላማዊ ምርጫ'ታ ሃገር ይሰርሑ


ተማሃሮ ዩኒቨርሲቲታት ኬንያ ንሰላማዊ ምርጫ'ታ ሃገር ይሰርሑ
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:56 0:00

ተማሃሮ ዩኒቨርሲቲታት ኬንያ ንሰላማዊ ምርጫ'ታ ሃገር ይሰርሑ

ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ኬንያ ነቲ ነሓሰ 9 ክካየድ ተመዲቡ ዘሎ ምርጫ እታ ሃገር ኣመልኪቶም ኣብ መላእ ሃገር ኣስተምህሮ:ወፍሪ ሰላምን ምርጫን የካይዱ አለዉ። ዕላማ እቲ ጎስጓስ መናእሰይ ትኹረቶም ንምርጫ ኣመልኪቶም ኣብ ዝፍጠሩ ናዕብታት ካብ ምስታፍ ድምፆም ንዝመርፅዎ ኣብ ምሃብ ክኸውን ዘተባብዕ እዩ።

ከምዚኦም ዝበሉ ሕሉፋት ፍፃመታት ምርጫ ኣብ ኬንያ ሕማቅ ታሪኽ እዩ ዘለዎም ። ኣብ 2007-2008 ዝተኻየደ ምርጫ ስዒቡ ብዘጋጠመ ናዕቢ ልዕሊ ሓደ ሽሕ ሰባት ዝሞትሉ ፍፃመ ዝዝከር እዩ ። ከምኡ'ውን ብምኽንያት ምርጫ ንዘጋጥሙ ናዕብታትን ዝፍጠሩ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላትን ኬንያ ተሓታታይነት ናይዘይምህላው ፀገም ከምዘለዋ እዩ ፀብፃብ ሁማን ራይትስ ዎች ይገልጽ።

መንግስቲ ዘጣየሶ ሓባራዊ ኮምሽን ( ኮምሽን ሃገራዊ ሓድነትን ውህደትን ኬንያ) ዘካየዶ መፅናዕቲ ሽዱሽተ ክልላት እታ ሃገር ምርጫ ዝመበገሲኦም ናዕብታት ከተኣናግዳ ምዃነን የመላኽት።

እምባኣር ነቲ እናተቃ፟ረበ ዝመፅእ ዘሎ ኣብ 9 ነሓሰ ዝካየድ ሃገራዊ ምርጫ ኬንያ ኣመልኪቶም ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ብመሰታታቶም ክፍጠር ዝኽእል ናዕቢ ንምትራፍ በቲ ሓዱሽ ናይ ሰላም ማሕበሮም አቢሎም ወፍሪ የካይዱ ኣለው።

ተማሃራይ ዩኒቨርስቲ ኣላን ቾቻ ዳይሬክተር እቲ ማሕበር እዩ ። ነቲ ወፍሪ ኣመልኪቱ ከምዚ ይብል: "ኣብቲ ዩኒቨርስቲ ፍሉጣት ኣሰልጠንቲ ዝሃብዎ ትምህርቲ መራፆ ድሕሪ ምዝዛሞም ንሳቶም ባዕሎም እዮም ነቲ ወፍሪ ዓወት ሰላም ዝመርሕዎ ዘለዉ። ወፍሪ 47 መዓልትታት ሰላም ንምክያድ ኢና ተሊምና ዘለና ። እዚ ማለት ብትኽክል ነቲ ሓፈሻዊ ምርጫ 47 መዓልታት ክተርፎ ከሎ ኮይኑ ነፍሲ ወከፋ መዓልቲ ጉዕዞ ሰላም እነካይደለን እየን።”

ተሓለቅ፟ቲ ሰላም ከምዝብልዎ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ከምዚኦም ዝበሉ ዓመፃትን መዝመዛታትን ብምስታፍ ግዳያት ዝኾኑ መናእሰይ ምዃኖም ይገልጹ። ከም ሓበሬታ ፒስ ፋውንዴሽን ዝተባህለ ዓለምለኻዊ ትካል መብዛሕትኦም ካብዚኦም ስራሕ ዘይብሎም መናእሰይ ከምዝኮኑ ይሕብር። ኣሃዛዊ መረዳእታ መንግስቲ ከምዘርእዮ ከባቢ ኣስታት ሓሙሽተ ሚልየን መናእሰይ ኬንያ ስራሕ የብሎምን።

ዳንኤል ኦሞንዲ ካብ ዓለምለኸ ፒስ ፋውንዴሽን ከምዚ ይብሉ።

"ብቀ፟ሊሉ ንጥሩፍነት ክምልመሉ ዝኽእሉን ፖለቲከኛታት ዕላማ ዝገብርዎምን ነዞም ክፋላት ማሕበረሰብ እዚኦም እዮም ። ምኽንያቱ ብዝሓሰረ ስጋብ ብ100 ሽልንግ ከታልልዎም ይኽእሉ።"

ሓደ ሚእቲ ሽሊንግ ኬንያ ማዕረ ሓደ ዶላርን ሓምሳ ሳንቲምን እዩ ።

እቲ ወፍሪ ሰላም ብስዋሂሊ “ኒታተንዳ ዋጂቡ ዋንጉ” ማለት እውን “ ግቡአይ ክዋፃእ እየ “ ዝብል ትርጉም ዝሓዘ መሪሕ ቃል ካብ 75 ዩኒቨርስትታትን ኮሌጃትን ዝተኣኻኸቡ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ሓዊሱ ብዝግባእ ከድምፁ ምዃኖምን ካልኦት እውን ከምኡ ክገብሩን የተባብዑ ኣለዉ።

ኣብ ዝመፅእ ወርሒ ነሓሰ ዝካየድ ምርጫ ኬንያ ድሕሪ እቲ ኣብ 2010 ዝፀደቀ፟ ሓዱሽ ሕገመንግስቲ ንሳልሳይ እዋን ዝካየድ ምርጫ ምዃኑ እዩ ። ተበግሶ ሰላም ሒዞም ብደረጃ ሃገር ጎስጓስ ዘካይዱ ዘለዉ መናእሰይ እውን ሰላማዊ ስግግር ክህልው ትምኒቶም ይገልጹ ።




XS
SM
MD
LG