ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መስርሕ ምርጫን ክሲ ጥርጡራት ግጭትን ኬንያ


Voters in Kenya
Voters in Kenya
ኬንያውያን ኣብ ሓድሽ ዓመት ንፕረዚደንቶም ንምምራፅ ኣብ ዝቅረቡሉ እዋን፣መግለፂ ዝሃባ ዓቃቢት-ሕጊ ቤት ፍርዲ ዓለም፣መፃኢ ዕድል ኬንያ፣ ኣብ ኢድ መረፅቲ‘ዩ ኢለን።መስርሕ ፍርዲ ዓለም-ለኸ ቤት ፍርዲ‘ውን ኣብ እዋኑ ክሳለጥ ምኻኑ ገሊፀን።

ክልቲኦም መስራሓት ኣብ ተመሳሳሊ ወቅቲ፣ነናይ ባዕሎም ከይዲ ስዒቦም ክትግበሩ ኣለዎም‘ውን ኢለን ወ/ሮ ቤንስወዳ።

ኣብ ዳሕረዋይ ፕረዚደንታዊ ውድድር ዝተወዳደሩ ክልቲኦም ሕፁያት ሚስተር ምዋዪ ኪባኪን ሚስተር ራይላ ኦዲንጋን ተዓዊትና ኢና ኢሎም ድሕሪ ዝሃብዎ መግለፂ፣ኬንያ ናብ ህውከትን ዕግርግርን ከምዝኣተወት ዝዝከር‘ዩ።ብውሑድ 1,300 ሰባት ተቀቲሎም፣ልዕሊ ርብዒ ሚልዮን ተፈናቂሎም።

ኣብ ዘ-ሄግ ዝመደብሩ ዓለም-ለኸ ቤት ፍርዲ ብወገኑ፣ኣንፃር ፕረዚደንታዊ ሕፁያት ዝነበሩ ኡሁሩ ኬንያታን ዊልያም ሩቶን ከምኡውን ገለ መንግስታዊ ሰበ-ስልጣንን፣ኣሰናዳእቲ ሬድዮን ክሲ መስሪቱ‘ዩ።

እተን ዓቃቢት ሕጊ ኣብ ኬንያ ናብ ሓሙሽተ መዓልታት ዑደት ኣብ ዝፍፅማሉ እዋን፣ኣብ‘ቲ ናይ ዳሕረዋይ ህውከት ማእከል ግጭት ንዝነበረ ከባቢ ክበፅሓ‘የን።

ዓቃቢት-ሕጊ ቤንሶድዋ፣ንግዳያት ዝግደሰሎም ሰብ ኣይተረኽበን ይብላ።ነቲ ህውከት ክምርምራን ንጥርጡራት ገበን ሰብኣዊነት ክኸሳን ስልጣነን‘ዩ።

”ዕላማና ወይ ዕላማይ ምንዳይ ሓቂ‘ዩ።ከምኡ ገይርና ድማ፣ፍትሒ ብምንጋስ፣ ንግዳያት ክነፀናነዖም፣ንዝተበላሸወ መነባብሮ ሰባት ክንፅግን፣ንዝተቀትሉ ክንዝክር ኢና።እዚ ስራሕ‘ዚ ድማ ብልዑል ኣኽብሮት ኢና ንፍፅሞ” ኢለን ንሰን።

ንሰን ወሲኸን፣መንግስቲን ህዝብን ኬንያ ናብ ፍርዲ ከምዘይቀረቡ ክፍለጥ ኣለዎ።ኣብ ክንድኡ ዝኽሰሱ ዘለው፣ኣብ ገበን ኢድ ዝነበሮም ጥራሕ‘ዮም ኢለን።

ዓቃቢት ሕጊ ዓለም-ለኸ ቤት ፍርዲ ወ/ሮ ቤንሶውዳ፣ምስ ፕረዚደን ምዋዪ ኪባኪን ምስ ቀ/ሚ ራይላ ኦዲንጋን ተራኺበን ክዘራረባ መደብ ኣለወን።
XS
SM
MD
LG