ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

 ምርጫ ኬንያ 2017 ጽጹይ ኣይነበረን ክብላ ሓላፊት ተዓዛቢ ጉጅለ ሕብረት ኣውሮጳ ሓቢረን


ኣብ ኬንያ ዝተኻየደ ፕረዝዳንታዊ ምርጫ ንምዕዛብ ዝተላዕከ ተዓዛቢ ጉጅለ ሕብረት ኣውሮጳ ዝመርሓ ሓላፊት እቲ ልዑኽ መስርሕ ምርጫ ፅፁይ ኣይነበረን ምኽንያቱ ድማ ፖለቲከኛታት’ታ ሃገር እዮም ኢለን።

ኣብ ፓርላማ ሕብረት ኣውሮጳ መደረ ዘስምዓ ሓላፊት ጉጅለ ተዓዛቢ ሕብረት ኣውሮጳ ማሪዥ ሻኽው ኣብ 2017 ዓ.ም. ኣብ ዝተኻየደ ምርጫ ንዝተርኣዩ ፀገማት ጠንቁ ፖለቲከኛታት እዮም ኢለን።

“ንፈለማ ግዜ ዘድመፁ ሓሙሽተ ሚሊዮን መናእሰይ ሓዊሱ ህዝቢ ኬንያ ንዴሞክራሲያዊ መሰሎም ኣየሰተማቐሩዎን።መራሕቲ ፖለቲካ ንነፃ ትካላት ብምጥቓዕ ነቲ መስርሕ ምርጫ ኣበርዒኖምዎ፤ኣብ መንጎ ተቓወምቲ ወገናት ልዝብ ከይካየድ ኣብ ክንድኡ ምስሕሓባት ክንህሩ ገይሮም እዮም።”

ናይ ሕብረት ኣውሮጳ ልኡኽ እቲ መስርሕ ንኣድመፅቲ ዘጉሃየ ነይሩ፤ ፖለቲካዊ ፍሕፍሓት ዝፈጠሮ ማህሰይቲ እታ ሃገር ተኸፋፊላ ክትቕፅል ገይሩዋ’ሎ ይብል።

ሻኽው ሓድሽ ዝተኣታተወ ኤሌክትሮኒክስ ናይ ምርጫ መሳርሒ ኣድመፅቲ ብበዝሒ ክወፁ ብምትብባዕ 15 ሚሊዮን ኬንያዊያን ድምፆም ክህቡ እንተገበረ እውን ኬንያዊያን ንዝነበሮም ስግኣት ግን ኣየወገደን ኢለን ።

ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ኣብ ዝተደገመ ምርጫ ኣስታት 7.6 ሚሊዮን ጥራሕ ኣድሚፆም።

ኦዲንጋን ምኽትሎም ኮይኖም ዝተወዳደሩን ንባዕሎም ፕረዚደንትን ምኽትል ፕረዚደንትን ገይሮም ኣብ መወዳእታ ወርሒ ጥሪ ቃለ ምሓላ ክንፍፅም ኢና ድሕሪ ምባሎም መራሕቲ ንኹሉ ዘሳትፍ መንግስቲ ክምስርቱ ኣብ ኬንያ ፃውዒት እናዓበየ ይኸይድ ኣሎ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።


XS
SM
MD
LG