ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኬንያ ኢቦላ የስግኣ እዩ ኢሉ ትካል ጥዕና ዓለም


TEbola Kenya
TEbola Kenya

ትካል ጥዕና ዓለም (WHO) ኬንያ ንስግኣት ቫይረስ ኢቦላ ብዝለዓለ ብርኪ ዝተቓልዐት እያ ክብል መዲቡዋ።እቲ ሕማም ኣብታ ሃገር እትዩ እንተኾይኑ ዝትረኽበ ሓበሬታ ዋላ እንተዘይሃለወ እውን ኬንያ ማእኸል ቀንዲ መጎዓዚያ ኣየር ስለዝኾነት እታ ምብራቓዊት ኣፍሪካ ነቲ ሕማም ብዝዓበየ ዝተቓልዐት ይገብራ ይብል እቲ ትካል።

እዚ ኢቦላ ናብ ምብራቕ ኣፍሪካ ክጋፋሕ ከምዝኽእል ክሳብ ሎሚ ብWHO ዝተውሃበ ከቢድ መጠንቀቕታ እዩ።

ወኪል WHO ኣብ ኬንያ ዶ/ር ካስቶዲያ ማንድልሃት ሎማዕንቲ ረቡዕ ኣብዝሃብኦ ጋዜጣዊ መግለፂ ትካለን ኬንያ ናብ ደረጃ ክልተ ክብ ኣቢሉዋ’ሎ ኢለን።

ሓድ ሓደ ተጎዓዝቲ ናብታ ሃገር ኣብዘእትው ኖቕጣታት ብፍላይ ድማ ኣብ መዕረፎ ነፈቲ ዝካየድ ምርመራ ትሑት ምዃኑ ምግላፆም መራኸቢ ብዙሃን ኬንያ ፀብፂበን ኣለዋ።እቲ ሕማም ናብ ናይጀሪያ ዝኣተወ ብመርዕረፊ ነፈርቲ ኣቢሉ ምንባሩ ይዝከር።

እቲ ሕማም ዛጊድ ን1,069 ሰባት ከምዝቐተለ WHO ገሊፁ’ሎ።

ብዝተኣሳሰረ ዜና ጀርመን ዜጋታታ ካብ ሲየራ ሊዮን፣ግኒን ላይበሪያን ክወፁ ኣዚዛ።እቲ ፃውዒት ንሰራሕተኛታት ጥዕናን ዲፕሎማስን ኣይምልከትን።

ብኻሊእ ዜና ካብ 3 ክሳብ 7 መስከረም 2014 ኣ/ፈ ኣብ ዋና ከተማ ቡርኪና ፋሶ ዋጋ ዱጉ ክካየድ ተታሑዙ ዘሎ ጉባኤ መራሕቲ ኣፍሪካ ኣብቲ ዝተትሓዘሉ ቦታን ግዜን ከምዝካየድ ሕብረት ኣፍሪካ ኣፍሊጡ።

ኣዲስ ኣበባ ኣብዝርከብ ዋና ቤት ፅሕፈት ሕብረት ኣፍሪካ መግለፂ ዝሃቡ ኣብ ሕብረት ኣፍሪካ ኮሚሽነር ማሕበራዊ ጉዳያት ዶ/ር ሙስጠፋ ካሎኮ ምስ ትካል ጥዕና ዓለምን ኣብ ቡርኪና ፋሶ ምስ ዝርከብ ኣሰናዳኢ ኮሚቴን ብዛዕባ ክግበር ዘለዎ ጥንቃቐ ከምዝተዘራረቡ ብምግላፅ እቲ ኣኼባ ኣብ ምዕራብ ኣፍሪካ ናይ ምክያድ ትልሚ ከምዝደፍእሉ ተዛሪቦም።

ጎኒ ንጎኒ እቲ ጉባኤ መራሕቲ ኣፍሪካ ንለበዳ ኢባለ መከላኸሊ ዝኸውን ገንዘብ ከምዘተኣኻኽቡ እቶም ኮሚሽነር ሓቢሮም።

ብዝግባእ ዘይተፈተሸ ዚማፕ ዝተብሃለ መድሓኒት ኢቦላ ኣብ ጥቕሚ ንክውዕል ከምዝድግፍ እውን ሕብረት ኣፍሪካ ሓቢሩ’ሎ።

ኣብ ሂበይ ጥራሕ ዝተፈተነን ፅቡቕ ውፅኢት ዘርኣየን እዩ ዝተባሃለሉ መድሓኒት ኣብ ሰባት ዝህልዎ ውፅኢትን ዘሕድሮ ጉድኣትን ግን ዝተፈልጠ የለን።

ኣብ ስዊዘርላንድ ዝተኣከቡ ሰብ ሙያ ትካል ጥዕና ዓለም እቲ መድሓኒት ንሰባት ምሃብ ንስነ ምግባር እቲ ሙያ ኣይፃረርን ኢሎም።ሃገራት ምዕራፍ ኣፍሪካ እውን ነቲ መድሓኒት ንምጥቃም ተዳሊየን ኣለዋ።

ኮሚሽነር ሙስጠፋ ካሎኮ እውን ነቲ መድሓኒ ደገፎ ገሊፆም ኣለው።

XS
SM
MD
LG