ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሰሜን ኬንያ ይጋደድ ብዘሎ ድርቂ ጥምየት የንፀላልዎ’ሎ


ሰሜን ኬንያ ይጋደድ ብዘሎ ድርቂ ጥምየት የንፀላልዎ’ሎ።

ሚንስትሪ ልምዓት ሃብቲ እንስሳ ኬንያ 150 ሽሕ ኣግማል ሽዱሽተ ሚሊዮን ከፍትን 16 ሚሊዮን ኣጣልን ብምኽንያት ኩነታት ድርቂ ኣብ ሓደጋ ከምዝርከባ ኣብ ቀረባ ኣጠንቂቖም ነይሮም።

ካብኔ ኬንያ ነቲ ቅልውላው ንምምካት ትማሊ ረቡዕ ኣኼባ ኣካይዱ።ወሃቢ ቃል መንግስቲ ኣልፍረድ ሙቱዋ ኬንያ ነቲ ጥምየት ንምውጋድ ዝሓዘቶም ትልምታት፡

ነቲ ጉዳይ ዝከታተሉ ምንስትሪታት እቲ ምግቢ ክበፅሕ ኣብ ዘለዎ ብእዋኑ ይበፅሕ ምህላው ከረጋግፁ እዮም።ካልኣይ መንግስቲ እንስሳት ንሓደጋ ኣብ ዝተቓለዐሉ ከባቢታት ዝርከባ ከፍትን ካልኦት ሃብቲ እንስሳትን ኣብ ምዕዳግ ክዋፈር እዩ።ልዕሊ ኩሉ ድማ እቲ ካብኔት ዋላ ሓደ ሰብ እንትኾነ’ውን ክመውት የብሉን ኢሉ እዩ።ምኽናያቱ ኣብ ዝተፈላለዩ ኩርንዓት እዛ ሃገር እኹል ምግቢ ኣሎ።ስለዚ ናብቶም ምግቢ ዘድልዮም ሰባት ናይ ምግዓዝ ጉዳይ እዩ ክብሉ ገሎፆም።

ገለ ሰባት ግን ናይ መንግስቲ ጥልቃ ምእታው በይኑ እኹል ኣይኮነን ይብሉ።ናይ ኬንያ ቀይሕ መስቀል ኣብ መወዳእታ እዚ ሰሙን ናይ ህፁፅ ሓገዝ ፃውዒት ከቕርብ ትፅቢት ይግበር።መንግስቲ ሃገራዊ ሓደጋ ክእውጅ እውን ቀይሕ መስቀል እታ ሃገር ፀዊዑ’ሎ።

XS
SM
MD
LG