ናይሮቢ —
ብሰንበት ንጋዜጠኛታት መብርሂ ዝሃቡ ካብ ስልጣኖም ዝተለዓሉ ምኽትል ፕረዚደንት ኬንያ ሪጋቲ ጋቻጉዋ ንድሕነቶም ኣብ ሓለዋ ዝተመደበ ጉጅለ ብምልዓሉ ኣብ ልዕሊኦም ንዝፍጠር ዝኾነ ፀገም ተሓታቲ ፕረዚደንት ዊሊያም ሩቶ እዮም ኢሎም።
ሕክምናዊ ሓገዝ ካብ ዝረኽብሉ ሆስፒታል መግለጺ ዝሃቡ ካብ መዝነቶም ዝተለዓሉ ምኽትል ፕረዚደንት ኬንያ ሪጋቲ ጋቻጉዋ ሓላዊ ጉጅለ ፀጥታ ከም ዘይብሎም ተዛሪቦም።
"ህዝቢ ኬንያ ክፈልጦ ዝደልዮ ሎሚ ብዘይ ሓላዊ ናብ መንበሪ ገዛይ ይኸይድ ኣለኹ። ነዚ ክፈልጡዎም ጽቡቕ እዩ። ኣብ ገዛእ ርእሰይ ወይ ኣብ ስድራይ ሓደ ነገር እንተተፈጢሩ ፕረዚደንት ዊልያም ሩቶ ተሓታቲ ክኸውን ኣለዎ።"
ቅጥዒ