ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ምልኣኽ ሰራዊት ኬንያ ናብ ሃይቲ ብቤት-ፍርዲ ተገቲኡ


ፓርላማ ኬንያ - ፋይል
ፓርላማ ኬንያ - ፋይል

መንግስቲ ኬንያ ኣብ ትሕቲ ጽላል ሕቡራት ሃገራት ኮይኖም ሃይቲ ናይ ጸጥታ ምኽባር ስርሓት ንምፍጻም ዝሓሰቦ ውጥን ብቤት ፍርዲ ኬንያ ተገቲኡ።

ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕ/ሃ ዝሓለፈ ቅነ ኣብ ዘሕለፎ ውሳነ፣ 1,000 ኬንያዊያን ናብ’ቲ ብዕዋሉ ዕጡቃት ትሕመስ ዘላ ሃገረ ሃይቲንክወፍሩ ተሰማሚዑ ነይሩ።

ቤት ፍርዲ ናይሮቢ ግና ነቲ ብኣባል ተቃዋሚ ፓርቲ ዝቀረበን እቲ ውጥን ሕገ መንግስታዊ ደገፍ ዘይብሉ እዩ ክብል ንዘቅረቦ ጥርዓን ተቀቢሉዎ ኣሎ።

ፕረዚደንት ዊልያም ሩቶ ብወገኖም መስርሕ ምውፋር ሰራዊት፣ ስለሰብኣዊነት ተባሂሉ ዝፍጸም እዩ ክብሉ ከለው፣ ሚኒስትር ጉዳያት ውሽጢ ሃገር ኬንያ ድማ መንግስቲ፣ ፈቃድ ፓርላማ ክሓትት እዩ ከምዝበሉ እቲ ዜና ይጠቅስ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG