ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሱማሊያዊያን ዳዳብ ኬንያ ናብ ዝርከብ ማእኽል ስደተኛታት ዝገብርዎ ጉዕዞ ኻሊእ ሽግር ይፈጥረሎም ከምዘሎ ተገሊፁ


ብቢማዕልቱ ናብ ሓደ ሽሕን ሰለስተ ምእትን ዝፅግዑ ሱማሊያዊያን ናብ ኬንያ ይሰግሩ

ኣብ ሱማሊያ ሚሊዮናት ብቐፃሊ ጥትምየትን ዘይምርግጋእን ይጥቅዑ ኣብዘለውሉ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ኬንያ ዝርከብ መፅለሊ ስደተኛታት ዳዳብ ተስፋ ንዝስኣኑ ብዙሓት ሱማሊያዊያን ከም ገነት ይርአ።ገሊኦም ግን ናብ ዳዳብ ኣብ ዝገብርዎ ጉዕዞ ካሊእ ሽግር ሒዙሎም ይመፅእ።

ኣብታ ሃገር ይቕፅል ካብ ዘሎ ሓሳረ-መካራ ንምምላጥ ብቢማዕልቱ ናብ ሓደ ሽሕን ሰለስተ ምእትን ዝፅግዑ ሱማሊያዊያን ናብ ኬንያ ይሰግሩ።ብዛዕባ መዕቖቢ ማእኸል ዳዳብ ኣብ ሙሉእ እታ ሃገር ይውረ።ብዙሓት ሰባት ዝሐሸ ህይወት ንምእላሽ ብእግሮም ብምጉዓዝ ንዓርሶም ንሓደጋ የቃልዑ።

ብዙሓት ነቲ ልዕሊ ሓደ ወርሒ ዝወስድ ናይ እግሪ ጉዕዞ ኣይዋፅኡዎን።ዝበዝሑ እቶም ነቲ ጉዕዞ ተፃዊሮም ኣብቲ መዕቖቢ ጣብያ ዝበፅሑ ኣብቲ መፅለሊ ካብዝንቀሳቐሱ ሰብኣዊ ትካላት ምግቢ፡ማይን ምፅለሊን ይረኽቡ።

ንገሊኦም ግን ድሕነት ወይ’ውን ሓገዝ ብቕልጡፍ ኣይበፅሐሎምን።ኣብ ቀረባ ኣዋርሕ ዝርአ ዘሎ ዋሕዚ ግዙፍ ቁፅሪ ስደተኛታት ነቲ መዕቖቢ ጣብያ ኣዕለቕሊቑዎ ይርከብ።በዚ ምኽንያት ድማ ፀጋታት ናይቶም ሓገዝቲ ትካላት ይነፅፍ ኣሎ።ስደተኛታት ንፈለማ ግዜ ኣብቲ መዕቖቢ ጣቢያ ክበፅሑ እንተለው ክሳብ ከም ስደተኛታት ብወግዒ ተመዝጊቦም ቐዋሚ ናይ ራሽን ካርዲ ዝወሃቦም ምግቢ ይወሃቦም።

እንተኾነ ግን በቢ ማዕልቱ ብዙሓት ስደተኛታት ናብቲ መፅለሊ ስለዝውሕዙ እቲ ምዝገባ ነዊሕ ግዜ ክወስድ ይኽእል።

ኑርታ ሄይራት ብእስላማዊ ናዕበኛ ጉጅለ ኣል-ሸባብ ካብ ዝበፅሕ ዓፈና ንምምላጥ ምስ ክልተ ደቃ ብምዃን ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ ካብ ባይድዋ ተበጊሳ።እቶም ኣባላት ስድራ መበገሲ ራሽኖም ዝረኸብሉ ኣብ ዳዳብ ንምብፃሕ 20 ማዕልታት ወሲድሎም።ሕዚ ድሕሪ ክልተ ሰሙን ግን ዝተውሃቦም ምግቢ ተወዲኡ’ሎ።

ኑርታ ዳጋሓለይ ናብ ዝርከብ መመዝገቢ ማእኸል ዩን.ኤች.ሲ.ኣር ናይ ራሽን ካርዲ ንምርካብ ተስፋ ብምግባር ብቢማዕልቱ ትመላለስ።ከምዕድል ኮይኑ ዛጊድ ኣይቀንዓን።

ኑርታን ህፃውንቲ ደቃን ዝድቅስሉ ድንዃን እውን የብሎምን።ብኣጋጣሚ ነይሩ ንዝሓለፉ ክልተ ሰሙናት ገለ ደገፍ ዘገበረላ ዓብዲራሽድ ሓጂ ዝተብሃለ ኣዅኣ ኣብቲ መፅለሊ ጣብያ ዝረኸበቶ።

ከም ሕማቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ ናይ ኑርታ ዝመሰለ ታሪኽ ዝውቱር እዩ።እቲ ኣብ ቀረባ ኣብ ሱማሊያ ዝተርኣየ ፍልሰት ህዝቢ ነቲ ናይ ምግቢ ምክፍፋል ኣገባብ ክሰርሕ ናብዘይኽእል ደረጃ ኣብፂሑዎ ኣሎ።እቶም ሰብእዊያን ትካላት እውን ነዚ ንምዕራይ ይፍትኑ ኣለው።ሮስ ኦጎላ ኣብ መፅለሊ ስደተኛታት ዳዳብ ወሃቢት ቃል ፕሮግራም ምግቢ ዓለም እየን።

ንሰን ‘’ኣብ መቐበሊ ማእኸላት ንፈለማ ኣብውሽጢ 15 ማዕልታት መዝጊብና ክንውድእ ኢና ብዝብል ተስፋ ናይ 15 ማዕልታት ራሽን ኢና ሂብናዮም።ነገር ግን ብዙሕ ህዝቢ ይኣቲ ስለ ዘሎ እዚ ከምዘይሰርሕ ተረዲእና።ስለዚ ካብ 15 ሓምለ ጀሚርና ስትራተጅና ብምቕያር ኣብክንዲ ናይ 15 ራሽን ናይ 21 ማዕልታት ራሽን ነከፋፍል ኣለና።’’ይብላ።

ሕዚ’ውን እንተኾነ ብዙሓት ስደትኛታት ናብ ዳዳብ ይኣትው ስለዘለው ናይ 21 ማዕልታት እውን እኹል ኣይኮነን።ኣብቲ መፅለሊ ጣብያ ዝበፅሑ ገሊኦም ክሳብ 40 ማዕልታት ናይ ራሽን ካርዲ እናተፀብዩ ይርከቡ።

ኣብቲ መፅለኢ ምስኣተው እንተኾነ’ውን ካልኦት ፈተናታት የጋጥምዎም።

ዩሱፍ ዓሊን ፋጡማ ማሕሙድን ኣብ ከባቢኦም ይካየድ ካብዝነበረ ውግእ ብምህዳም ኣብ 2008 ኣ/ፈ ካብ ሱማሊያ ናብቲ መዑቖቢ ጣቢያ መፂኦም።መጀምሪያ ክሳብ 15 ዓመት ዝዕድሚኣ ጛሎም ፆታዊ ዓመፅ ዝፍፀማ ኣብ መዕቖቢ ማእኸል ስደተኛታት ዳጋሓለይ ይነብሩ ነይሮም።ወለዳ ብዛዕባ እቲ ገበን ንዩ.ኤን.ኤች.ሲ.ኣር ኣፍሊጦም ሽዑ ንሽዑ ነቲ ተሓታቲ ሰባ ኣእሲሮምዎ።

እንተኾነ ግን ስድራ ናይቲ ዝደፈረ ሰብ ካብ ዳጋሓለይ ክርሕቑ ብምሕታት ንዓሊን ንፋጡማን ሽግር ክፈጥሩሎም ጀሚሮም።ዋላ’ውን ንጛሎም ንምጭዋይ ፈቲኖም ነይሮም።ኣብ ቀረባ ዓሊን ፋጡማን ካብ ስድራ እቲ በደለኛ ብዝበፅሖም ምፍርራሕ ብምስጋእ ካብቲ መዕቖቢ ጣብያ ወፂኦም ኣለው።ካብቲ ጣብያ ካብዝወፁ ጀሚሮም ናብ ካሊእ መፅለሊ ጣብያ ከዛውርዎም ተስፋ ብምግባር ኣብ ጥቓ መምዝገቢ ጣብያ ዳጋሓለይ እናደቀሱ ይርከቡ።

መፅለሊ ማእኸል ዳዳብ ኣብ ሱማሊያ ካብ ዘጋጥሞም ብዙሓት ሽግራት እንተዕቖቦም እውን ንብዙሓት ከቢድ ዋጋ የኽፍሎም።ጃኔት ዶቲ-ዲላ ኣብ ማእኽል መፅለሊ ዳጋሓለይ ስነልቦናዊ ምኽሪ ንምሃብ ኬር ኢንተርናሽናል ንዝብሃል ትካል ትሰርሕ።

ዲላ ከምዝበለቶ ኩሎም ዘዘራረበቶም ብዝወሰድዎ ናይ ምጉዓዝ ዉሳነ ተናሲሖም እዮም ትብል።

ኬር፡ፕሮግራም ምግቢ ዓለምን ትካል ስደተኛታት ሕቡራት መንግስታትን ዝርከብዎም ጉጅለታት ረድኤት ድልየት ማእኸል ምፅለሊ ዳዳብ ንምምላእ ላዕልን ታሕትን እናበሉ ይርከቡ።ኣብ ኢድ ዝርከብ ፀጋ ግን ብሓፂር ኣበሃህላ እኹል ኣይኮነን።ክሳብ ሕዚ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪካ ኣጋጢሙ ዘሎ ቅልውላው ንምምካት ናይ ዘድሊ ክልተ ቢሊዮን ዶላር ዝግመት ገንዘብ ፍርቂ ጥራሕ እዩ ተረኺቡ ዘሎ።

XS
SM
MD
LG