ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኬንያ ምስ ሃይማኖታዊ እምነት ብዝተሓሓዝ ተወሳኺ 7 ሬሳታት ምርካቡ ኤ.ኤፍ.ፒ ገሊጹ


ፖል ንቲንጊ ማከንዚ
ፖል ንቲንጊ ማከንዚ

ኣብ ኬንያ ምስ ሃይማኖታዊ እምነት ብዝተሓሓዝ ዘጋጠመ ሞት ብዝምልከት መርመራ ኣብ ዝካየደሉ ተወሳኺ ሬሳ ሸውዓተ ሰባት ከምዝተረኽበ ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ሓቢሩ።

ንኬንያዊያንን ንዓለምን ብዘሰምበደ ኩነታት፣ ጥቃ ገማግም ውቅያኖስ ህንዲ ዘላ ከተማ ማሊንዲ፣ ሬሳ 436 ሰባት ቅድሚ ሎሚ ምርካቡ ዝዝከር እዩ።

ትካል ዜና ፈረንሳ 50 መካነ መቃብራት ተለልዮም ከምዘለው መስርሕ ምጽራይን ምርመራን ብቅልጡፍ ክጅምር ከምዝኾነ ይገልጽ።

ንባዕሉ ፓስተር ኢሉ ዝጽውዕ ፖል ንቲንጊ ማከንዚ፣ ንሰዓብቱ፣ "ቅድሚ ጥፍኣት ዓለም ምጅማሩ፣ ምስ የሱስ መታን ክንራኸብ፣ ብጥምየት ነብስና ንቅተል" ኢሉ ከምዘላዓዓሎም እቲ ዜና ይሕብር።

ፓስተር ፖል ንቲንጊ ማከንዚ፣ ኣብ’ቲ ዱር ሻካሆላ ዝባሃል ስፍራ ፈላሞት ሬሳታት ድሕሪ ምርካቦም ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ቐይዲ ምእታው ይዝከር።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG