ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሓካይም ኬንያ ምርመራ ሬሳታት ሰዓብቲ ሃይማኖት የካይዱ


ሓደ ሃይማኖታዊ መራሒ ኬንያ፡ ንሰዓብቱ ናብ ገነት ንምእታው መግቢ ክሕሰሙ ብዝጎስጎሶ፡ ቍጽሪ ምዉታን ይውስኽ ኣሎ። ምንጭታት ካብ ናይሮቢ ከም ዝሓበሩዎ፡ ድሮ ናይ 100 ሰባት ሬሳታት ተረኺቡ ኣሎ። ከም ምርመራ ሕክምና እታ ሃገር ዝበዝሑ ካብቶም ምዉታን ህጻናት’ዮም።

ውሑዳት ብህይወት እንከለዉ እንተተረኽቡ’ኳ ቀልጢፎም ግን ምሟቶም እቲ ዜና የመልክት።

ሓካይም፡ ንዝተዃዕቱ ሬሳታት ብምምርማርን ነቲ ዘርኢ ምስ ህሉዋት ኣባላት ስድራ ብምንጽጻርን መንነት ምዉታን ኣብ ምልላይ ይርከብ። ከም ሓበሬታ ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ፡ ዝጠፍኡ ሰባት ልዕሊ 300 ይበጽሑ።

ፖል ማከንዚ ዝተባህለ መራሕቲ እቲ ሃይማኖት፡ ኣቐዲሙ ዘዋር ታክሲ ዝነበረ ኰይኑ፡ ሕጂ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ፖሊስ እናሃለወ’ውን ማይን መግቢ ተሓሲሙ ምህላዉ እቲ ዜና ይጠቅስ።

XS
SM
MD
LG