ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቤት ፍርዲ፡ ኣባላት ፖሊስ ኬንያ ናብ ሃይቲ ከይዋፍሩ ተወሳኺ እገዳ ኣንቢሩ


ፖሊስ ኬንያ - ፋይል
ፖሊስ ኬንያ - ፋይል

ቤት ፍርዲ መንግስቲ ኬንያ ኣባላት ፖሊስ ናብ ሃይቲ ከየዋፍር ተወሳኺ እገዳ ሎሚ ሰሉስ 24 ጥቅምቲ 2023 ኣንቢሩ። እቶም ፖሊስ ኣካል እቲ ብሕቡራት ሃገራት ዝምወልን ነታ ካሪቢያዊት ሃገር ንምህዳእ ዝዓለመን ተልእኾ ከምዝኮኑ ዝዝከር እዩ።

ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ውሳነ ቤት ፍርዲ ዝተቃለሐ፣ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕ/ሃ ኣብ ሃይቲ ዘሎ ጸጥታ ካብ ዝሓመቐ ናብ ዝኸፍአ የንቆልቁልን ብጉጅለታት ዕዋሉ ዝፍጸም ገበን ኣዝዩ ምንሃሩ ኣብ ዝገለጸሉ እዋን ከምዝኾነ ሓቢሩ።

ኣብ ዝሓለፈ ጥቅምቲ ውሳነ ዘሕለፈ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕ/ሃ ኬንያ ትመርሖ ኣሃዱታት ዝተፈላለያ ሃገራት ኣብ ሃይቲ ንክኣቱ ተሰማሚዑ ነይሩ።

ቤት ፍርዲ ናይሮቢ ግና ንኣባል ተቃዋማይ ፓርቲ ኢኩሩ ኣውኮት ዘቅረቦ ጥርዓን ተመርኩሱ ወፍሪ ፖሊስ ኬንያ ንክደናጎይ ወሲኑ ኣሎ። ኢሉሩ ኣውኮት፣ ምውፋር ፖሊስ ኬንያ ናብ ሃይቲ ዘይሕገመንግስታዊ እዩ ባሃላይ እዩ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG