ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቤት ፍርዲ ኬንያ ብፕረዚደንት ሩቶ ክተኣታተው ዝተወጠነ ወሰኽ ግብሪ ነጺጉ


ህንጻ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ናይሮቢ
ህንጻ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ናይሮቢ

ቤት ፍርዲ ኬንያ፣ ነቲ ፕረዚደንት ዊልያም ሩቶ ዝተኣታተወ ኣካታዒ ወሰኽ ግብሪ ‘ዘይሕጋዊ’ ክብል ነጺጉዎ። እዚ ምዕባለ’ዚ፣ እቶም ፕረዚደንት ንካዝና መንግስቲ ንምህጣር ዝሓዝዎ ውጥን ፍሽለት ከምዝኾነ’ውን ዝመጸ ዜና ሓቢሩ።

ብመሰረት’ቲ ውጥን፣ ግብሪ ከፈልቲ ኬንያዊያን ካብ መሃያኦም 1.5 ሚእታዊት ክፍሊት ኵሰኾምን ዝቆጽርዎም ትካላት’ውን ማዕሪኡ ክኸፍሉን ዝጽውዕ እዩ ነይሩ። እዚ ዝእከብ ገንዘብ፣ ንዓቅሚ ዘይብሎም ዜጋታት’ታ ሃገር፣ ወነንቲ ኣባይቲ ንክኾኑ ዘኽእልን ዝሓለፈ ሰነ ሕጊ ኬንያ ንክኾን በቶም ፕረዚደንት ዝተፈረመን እዩ ነይሩ።

ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ናይሮቢ ግና ‘ወሰኽ ግብሪ ዝተማለአ ሕጋዊ ትሕዝቶ ዘይብሉን፣ ካልኦት ሰራሕተኛታት ዘይካተትሉ ምዃኑ ድማ ዝፈላሊ ምዃኑ ዘርኢ’ዩ’ ይብል።

ወሰኽ ግብሪ ክተኣታተው ከምዝኾነ ምስተፈለጠ፣ ኣንጻር ምምሕዳር ፕረዚደንት ሩቶ ገለ እዋን ሞት ዘስዓቡ ተቃውሞታት ንክላዓል ጠንቂ ከምዝኾነ ትካል ዜና ፈረንሳ ሓቢሩ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG