ኣብ ሰሜናዊ ኬንያ ኣብ መንጎ ክልተ ተነሓናሕቲ ናይ ዓሌት ጉጅለታት ብዝተልዓለ ውግእ ኣሽሕት ካብ ከተማታት ሞያለን ማርሳቤትን ተፈናቒሎም ከይኾኑ ተሰጊኡ’ሎ።
ኣብ ዶብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝርከባ ከተማታት ናይ ሎማዕንቲ ኩነታት ብተነፃፃሪ ዝሃድአ ዋላ እንተኾነ እውን ኣሽሓት ነበርቲ ብምኽንያት እቲ ግጭት ናብ ኢትዮጵያ ወይ ኣብ ቀረብኦም ናብ ዝርከቡ ከባቢታት ከምዝሃደሙ ነባሪ ሞያለ ዝኾነ ጉዮ ሓቢሩ።
ንዝሓለፈ ሓደ ወርሒ ክጎሃሀር ዝፀንሐ ህውከት ትማሊ ብኢሱዎ ናብ ከተማታት ኦዳ፣ኤሉ፣ኣኑቱቱ፣ፋናን ኒያታ፣ማንያታ፣ቡርጂን ናብ ካልኦት ከተማታትን ተስፋሕፊሑ ኣባይቲ ተባሪዖም፣ንብረታት ዓኒዮም፣ናይ ዕዳጋ መደብራት ተዘሪፎምን መቑሰልቲ’ውን በፂሖምን እዮም ኢሎም ኣባል ፓርላማ ሞያለ ሮባ ዱባ።
ዋና ኣማሓዳሪ ማርሳቤት ኡኩሩ ያታኒ ምስ ናይ ኬንያ ደይሊ ኔሽን ኣብ ዝካየድዎ ቃለ ምልልስ ቁፅሪ ዛጊድ ናይ ዝሞቱ ሰባት 20 ምብፅሑ ገሊፆም።
ምኽንያት እቲ ግጭት ይምርመር ከምዘሎ እውን ወሃቢ ቃል ፖሊስ ሞያለ ሓቢሮም።
ኣባል ፓርላማ ሞያለ ዳብ ምስ ቪኦኤ ኣብዘካየድዎ ናይ ስልኪ ቃለ ምልልስ እቲ ግጭት ኣብ መንጎ ቡርጅን ጋባራን ብሓደ ገፅ ቦረና ድማ በቲ ካሊእ ገፅ ምዃኑ ይገልፁ።ምኽንያት እቲ ግጭት ‘’መንግስታዊ ምምሕዳር ማርሳቤቲ ዓሌት ቦረና ይጥቀምሉ ካብ ዝነበሩ መሬት ከውፅኦም ብዝሓዞ ኣጀንዳ እዩ።’’
ኣማሓዳሪ ሞያለ ያታኒ ግን ነቲ ኽሲ ይነፅግዎ።